Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ብከይዲ ሙግት ገበን 4 ሺሕን 630 ክሲ ከምዝተቛረፀ ሚኒስቴር ፍትሒ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣26 ጥሪ ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ብከይዲ ሙግት ገበን ተኸሰስቲን ምስክራትን ብዘይምቕራብ ምኽኒያት 4 ሺሕን 630 መዛግብቲ ክሲ ከምዝተቛረፀ ሚኒስቴር ፍትሒ ገሊፁ።

እቲ ሚኒስቴር ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ 6 ኣዋረሕ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣቕሪቡ።

ክሶም ዝተቛረፁ መዛግብቲ ገበን ሙግት ካብ ዝተገበረሎም 26 ሽሒን 257 መዛግብቲ እቶም 4 ሺሕን 630 መዛግብቲ ኢዮም ተባሂሉ።

እቲ ፀብፃብ ዘቕረቡ ሚኒስትር ፍትሒ ዶክተር ጌዲዮን ጢሞቲዎስ ኣብቶም ኣዋርሕ ብዶብ ተሻገርቲ፣ ኢኮኖሚ፣ ግዕዝይናን ዝተፈላለዩ ገበናትን ብዝተገበረ ሙግት ኣብ 8 ሺሕን 389 መዛገብቲ ዓቃቤ ሕጊ ውሳነ ፍርዲ እንተውህብ 96 ነጥቢ 3 ሚኢታዊ ውሳነ ጥፍኣተኛ ተዋሂቡ ኢዩ ኢሎም።

ብሃይለየሱስ ስዩም

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.