Fana: At a Speed of Life!

ቦርድ ምርጫ ምስ ፓርቲታት ፖለቲካ ዘተታት ዝመርሓሉ ሰነድ መምርሒ ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያን ፓርቲታት ፖለቲካን ኣብ 2011 ዓ.ም ኣፅዲቀምዎ ዝነበሩ ሰነድ መምርሒ ዘተ ምምሕያሽ ብምግባር ዓምዩቕ ዘተ ድሕሪ ምግባር ዳግማይ ክፀድቕ ገይሮም።

እቲ ሰነድ መምርሒ፥ ኣብ መንጎ ፓርቲታት ፖለቲካ ዝግበሩ ዘተታት ብስነ ምግባር ዝተሓገዘ ንክኸውንን ኣድላዪ እንተኾይኑ ካብ ንሕንሕ ወፃእ ዝርአ ዘይምትእምማን ንምውጋድ ከምዝሕግዝ ተገሊፁ።

እቲ መምርሒ ዳግማይ ምምሕያሽ ዝተገበረሉ ምኽኒያት፥ ሓደሽቲ ነገራት ምግጣሞም ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ቀፀሊ ኣብ ዝህልዉ ዘተታት ስነ ምግባራዊ ኣካይዳታት ንክህሊን መትከል ሂብካ ምቕባል መሰረት ዝገበሩ ናይ ሓሳብ ክትዓት ንክፍጠሩን ንምግባር ዘለዎ ረብሓ ልዑል ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ መምርሒ ሰነድ ካብ 25 ጥሪ 2014 ዓ.ም ጀሚሩ ፓርቲታት ፖለቲካ ዝገብረዎ ዘተ ክሳብ ዝዛዘም ዝትግበር ኢዩ ተባሂሉ።

ብታሪኩ ለገሰ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.