Fana: At a Speed of Life!

ኣገልግሎት ኣቕራቢ መድሓኒት 1 ነጥቢ 3 ቢሊየን ብር ዝኣክል ኣውድ ስለዘይተኸፈሎ ከምዝተፀገመ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሆስፒታላት ብኣውድ ዝወሰደኦ መድሓኒት ክኸፍለኦ ካብ ዝግበአን 1 ነጥቢ 3 ቢሊየን ብር ስለዘይተከፈላ ስርሑ ከምዝተኣጎሎ ኣገልግሎት ኣቕራቢ መድሓኒት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ትካላት ጥዕና ብኣውድ ዝወሰደኦ ብዙሕ ተኣካቢ ብር ስለዘሎ ኣብ ኣቕርቦ ፀገም እናፈጠረሉ ከምዝኾነ ኢዩ ኣመልኪቱ ዘሎ፡፡

ትካላት ጥዕና ዝወሰደኦ ኣውድ ብእዋኑ ኣታዊ ስለዘይኮነ፥ ተዓዲጎም ኣብ ዝኣተዉ እታወታት ሕክምና ብእዋኑን እኹል መጠንን ንምቕራብ ፀገም እናፈጠረ ከምዝኾነ ዳይሬክተር ፋይናንስ እቲ ኣገልግሎት ኣይተ ዘውዱ ሳሙኤል ኣብሪሆም፡፡

ካብ ሓሙሽተ ዓመት ጀሚሩ ብሓፈሻ 1 ነጥቢ 3 ቢሊየን ብር ክፍሊት መሸጣ ኣውድ ኣብ ሆስፒታላትን ጣቢያታት ጥዕናን ከምዝርከብ ዝተሓበረ እንትኸውን፥ ልዑል ዝእከብ ኣውድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከባ ትካላት ጥዕና ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ኣብ ክልል ካብ ዝርከቡ ጨንፈራት ድማ፥ ጨንፈር ባህርዳር 142 ሚሊየን፣ ኣዳማ 91 ሚሊየን፣ ሃዋሳ 90 ሚሊየን፣ ደሴን ጅማን 50 ሚሊየን ዝእከብ ብር ዘለወን ጨንፈራት ከም ኣብነት ዝፅራሓ ከምዝኾና እቶም ዳይሬክተር ተዛሪቦም፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.