Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዓውዲ ዲጂታል ቴክኖሎጂ ዝተዋፈሩ ማሕበራት ኣፍልጦ ረኺቦም ናብ ስራሕ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዲጂታል ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንምህናፅ ይሕግዙ ኢም ዝተብሃሉ ማሕበራት ዘፈር ጂታል ቴክኖሎጂ ኣፍልጦ ረኺቦም ናብ ስራሕ ኣቲዮም።

ብሓገዝ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዝተጣየሹ እቶም ማሕበራት፥ ማሕበር ፕሮግራም ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ኢትዮጵያ፣ ማሕበር ውሃብቲ ኣገልግሎት ቅልጡፍ መልእኽቲን ማሕበር መናእሰይ ፈጣሪ ስራሕ ኢትየጶጵያን ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ኣብ ዓውዲ ዲጂታል ቴክኖሎጂ ዝተዋፈሩ ትካላት ጥንኩር ማሕበር ነይሩዎም ህንፀት ዲጂታል ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ክሕግዙ ከምዝግባእ ሚኒስትር ዲኤታ እቲ ሚኒስቴር ሁሪያ ዓሊ ተዛሪበን፡፡

እቶም ማሕበራት ምስ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ሓቢሮም ንምስራሕ ዘኽእሎም ስምምዕነት ዝተፈራረሙ እንትኾኑ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣድሂቦም ከምዝተዛተዩ እውን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.