Fana: At a Speed of Life!

ብቫይረስ ኮሮና ተጠርጢሮም ዝነበሩ 4 ኢትዮጵያውያን ካብቲ ቫይረስ ናፃ ምዃኖም ተረጋጊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ንኻልኣይ ግዘ ብቫይረስ ኮሮና ተጠርጢሮም ዝነበሩ ኣርባዕተ ኢትዮጵያውያን ካብቲ ቫይረስ ናፃ ምዃኖም ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ካብ ቻይና ናብ ኢትዮጵያ ዝተመለሱ ሰለስተ ኢትዮጵያውያንን ሓደ ቻይናዊን በቲ ቫይረስ ተጠርጢሮም ክትትል እናተገበረሎም ከምዝኾነ ምግላፁ ይዝከር።
እቲ ሚኒስቴር፥ ናይቶም ዝተጠርጠሩ ሰባት ናሙና ደም ናብ ደቡብ ኣፍሪካ ብምልኣኽ ተወሳኺ ምርመራ ኣካይዱ ኢዩ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ብዝተገበረ ምርመራ ድማ ኣርባዕቲኦም ሰባት ካብ ቫይረስ ኮሮና ናፃ ምዃኖም ከምዝተረጋገፀ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እቶም ተጠርጠርቲ እቲ ሓደ ኣብ ኣኽሱም፣ እቶም ሰለስተ ድማ ኣብ ጨፌ ፈሊኻ መፅንሒ ቦሌ ክትትል እናተገበረሎም ፀኒሑ ኢዩ።

ቅድሚ ሕዚ ካልኦት ኣርባዕተ ኢትዮጵያውያን በቲ ቫይረስ ተጠርጢሮም ብዝተገበረሎም ተመሳሳሊ ምርመራ ናፃ ምዃኖም ምርግጋፁ ይፍለጥ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.