Fana: At a Speed of Life!

ምሕዝነት ቻይና ኣፍሪካ ዘጠናኽር ሲምፖዚየም ቤጂንግ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምሕዝነት ቻይና ኣፍሪካ ዘጠናኽር ሲምፖዚየም ቤጂንግ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ፌዴሪኢ ተኻይዱ።

እቲ ሲምፖዚየም ኣብ ቻይና ምስ ዝርከቡ ጉጅለ ኣምባሳደራት ኣፍሪካን ቤት ፅሕፈት ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ብምትሕብባር ዝተዳለወ ኢዩ።

ኣፍሪካን ቻይናን ሓበራዊ ተረባሕነት ንምርግጋፅ ብምሕሳብ ዝተሰናደአ እቲ ሲምፖዚየም፥ ቅድም ክብል ኣብ ሴኔጋል ዳካር ኣብ ዝተኻየደ  ናይ ክልቲኦም ወገናት ኮንፈረንስ ሚኒስትራት ዝተወሰኑ ውሳነታት ተግባራዊ ኣብ ምግባር ዘድሃበ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ተሸመ ቶጋ ውፅኢታት ኮንፈረንስ ሚኒስትራት ቻይናን ሃገራት ኣፍሪካን ዝምልከት ዝነበረ ተረባሕነት ኣመልኪቱ ዝተኻየደ ልዝብ ዝመርሑ እንትኾኑ፥ ኣብ እዋን እቲ ዘተ ድማ ብዛዕባ ስልጠና፣ ውሳነታት እቲ ኮንፈረንስን ካልኦት ነታ ኣህጉር ዝምልከቱ ጉዳያትን ተላዒሎም።

ንሓደ መዓልቲ ኣብ ዝፀንሐ ሲምፖዚየም፥ ኣብ ውሽጢ ማዕቐፍ ምትሕብባር ቻይና ኣፍሪካ ሓለዋ ከባቢ፣ ልምዓት ገፀር፣ ጥዕና ማሕበረሰብ፣ ምክልኻል ኮቪድ-19፣ ፋይናንስ ኢንቨስትመንት ኣብ ዘካተቱ ዛዕባታት ብምትኳ ልዝብ ከምዝተገበረ እቲ ኤምባሲ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ገሊፁ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.