Fana: At a Speed of Life!

በዓል ከተራ ሎሚ ክኽበር እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ባዓል ከተራ ሎሚ ብመላእ ተኽተልቲ እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ክኽበር እዩ።

ኣብ መላእ ኣዛ ሃገር ታቦታት ካብ ደብርታቶም ወፂኦም ብካህናት፣ ብዲያቆናትን ብምእመናትን ተዓጂቡ ናብ ባሕሪ ጥምቀት ክወርድ እዩ።

ታቦታት ናብ መሕደሪኦም ድሕሪ ምብፃሖም ሓዳሮም ድማ ኣብኡ ዝገብሩ እንትኾን፤ ብዝማሬ ካህናትን ዲያቆናትን ከምኡ ውን ካልኦት ሃይማኖታዊ ስነ-ስርዓታት እናተኸበረ ክሓድር እዩ።

ኣብ ዕለት በዓል ጥምቀት እውን ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ-ስርዓታት ክደምቕ ኢዩ።

እቲ በዓል ኣብ ኣዲስ ኣበበ ጃንሜዳ ኣብ ከባብኡ ዝርከቡ ታቦታት ደብርታትን ገዳማትን በዓል ጥምቀት ብሓባር ዘኽብሩ እንትኸውን÷ ሎሚ ካብ ደብርታትን ገዳማትን እቲ ጉዕዞ ብምፍላም እቶም ታቦታት ኣብ ጃንሜዳ ክሓድሩ እዮም።

ኣብ ናይ ሎሚ በዓል ከተራን ጥምቀትን “ናብ ዓዲ” ዝብል ሀገራዊ ፃውዒተ ተቐቦሎም ዝመፁ ኢትዮጵያውያንን ትውልዲ ኢትዮጵያውያንን ብበዝሒ ዝዕደምሉ ክኽውን እዩ ዘዝብል ትፅቢት ኣሎ።

በዓላት ከተራን ጥምቀትን ብተኸተልቲ እምነት ክርስትና ካብ በዓላት ሃይማኖታውን ኣደባባይን ካብ ዝኽበሩ  ሓደ እዩ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.