Fana: At a Speed of Life!

ባዛርን ኤግዚቪሽንን “ናይ ኢትዮጵያ የዓድጉ” ኣብ ኣዲስ ኣበባ መቻሬ ሜዳ ተኸፊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ባዛርን ኤግዚቪሽንን “ናይ ኢትዮጵያ የዓድጉ” ኣብ ኣዲስ ኣበባ መቻሬ ሜዳ ተኸፊቱ።

እቲ ኤግዚቪሽንን ባዛርን፥ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ጃንጥራር ኣባይ ብዕሊ ኣጀሚሮምዎ።

ቢሮ ልምዓት ስራሕ፣ ኢንተርፕራይዝን ኢንዱስትሪን ዝተፈላለዩ ኣፍረይቲ ኢንተርፕራይዛት ብምትሕብባር ዘሰናደኦ እቲ ኤግዚቢሽንን ባዛርን ብቐንዱ ናይ ውሽጢ ዓዲ ፍርያታት ዘካተተ ኢዩ።

እዚ ድማ ናብ ሃገሮም ዝኣተዉ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ተሓሳቢ ብምግባር ፍርያት ሃገሮም ብስፍሓትን ኣብ ሓደ ከባቢን ክድጉ ንምግባር ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣባላት ዳያስፖራ ፍርያት ሃገሮም ኣብ ዝኸዱሎም ሃገራት ንምፍላጥ ከምዝሕግዝ እውን ተገሊፁ።

እቲ ኤግዚቪሽንን ባዛርን ክሳብ 16 ጥሪ 2014 ዓ.ም ዝፀንሕ እንትኸውን፥ዝተፈላለዩ ፍርያታት ቆርበት፣ ማእለማ፣ ሕርሻን ካልኦትን ከምዝተኻተቱ ኤ ኤም ኤን ፀብፂቡ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.