Fana: At a Speed of Life!

በዓል ጥምቀት ብዘይ ዝኾነ ፀገም ፀፅታ ንኽኽበር ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን እኹል ምድላው ከምዝገበረ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መላእ ሃገር ብድምቀት ዝኽበር በዓል ጥምቀት ብዘይ ዝኾነ ፀገም ፀፅታ ንኽኽበር ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ፌዴሪኢ ካብ ወትሩ ብዝተፈለየ እኹል ምድላው ከምዝገበረ ኣፍሊጡ።

እቲ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ስግኣታት ድሕንነት ኣቐዲሙ ንምክልኻል ኣብ ከይዲ እቲ በዓል ርችት ምትኳ ንሓይሊታት ፀረ-ሰላም ምዕሩይ ሃዋህው ዝፈጥር ብምዃኑ፤ ፍፁም ዝተኸልከ ከምዝኾነ ኣተሓሳሲቡ፡፡

እቲ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ኣብ መግለፂኡ፥ መላእ ደላዪ ሰላም ህዝቢ ኢትዮጵያ በዓል ጥምቀት ብዘይ ዝኾነ ፀገም ፀፅታ ብሰላም ንኽኽበር፤ ኣብ መላእ ክፋላት እታ ሃገር ብዙሓት ኣካላት ፀፅታ ከምዘዋፈረ፣ ኣብ ከባቢታት መሕደሪ ታቦትን ብዙሓት ዕዱማት እቲ በዓል ኣብ ዝርከቡሉ ከባቢን ዓቢይ ትኹረት ሂቡ ጥቡቕ ክትትልን ቁፅፅርን ከምዝገብር ኣፍሊጡ፡፡

ብኻሊእ መዳይ ካብ ሕብረተሰብ ብመሰረት ዝተረኸበ ሓበሬታ እቲ በዓል ብሰላም ከይዛዘም ዝተፈላለዩ ውልቃዊ ዛዕባታት ተሓንጊጦም ድምቀትን ስነ-ስርዓትን እቲ በዓል ንምህዋኽ፤ ከምኡ እውን ጎንፂ ንምልዕዓልን ካልኦት ሓደጋታት ንምብፃሕን ዝተዳለዉ ሓደሓደ ፀረ-ሰላም ሓይሊታት ከምዘለዉ ከምዝተፈለጠ እውን ኣገንዚቡ፡፡

ስለዝኾነ መላእ ህዝቢ ነዚ ተገንዚቡ ኣድላዪ ጥንቃቐ ክገብር ከምዝግባእን ዘጠራጥሩ ኩነታት እንተጋጥሙዎ ብቕልጡፍ ንሓራዊ ግብረ ሓይሊ ሓበሬታ ንመሃብ ብመስመራት ቁፅሪ ስልኪ +251115-52-63-03፣ +251115-52-40-77፣ +251115-54-36-78 ን +251115-54-36-81ን ከምኡ እውን ብናፃ መስመራት ቁፅሪ 987፣ 991 ን 816ን ብምድዋል ብኣካል ድማ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ሓይሊ ፀፅታ ሓበሬታ ምብፃሕ ከምዝኽእል ገሊፁ፡፡

እቲ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣብ መግለፂኡ፥በዓል ጥምቀት በዓል ሰላም፣ ጥዕና፣ ፍቕሪን ምዕባለን ንኽኸውን ሰናይ ትምኒቱ ገሊፁ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.