Fana: At a Speed of Life!

ከቢድ ገበን ምቕታል ሰብ ዝፈፀሙ ተኸሰስቲ ብሞትን ዕድመ ይፍታሕ ፅኑዕ ማእሰርቲ ክቕፅዑ ተበይኑሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ከቢድ ገበን ምቕታል ሰብ ዝፈፀሙ ተኸሰስቲ ብሞትን ዕድመ ይፍታሕ ፅኑዕ ማእሰርቲ ክቕፅዑ ተበይኑሎም።

እቲ መቕፃዕቲ ዝተመሓላለፈ ኣብ ልዕሊ 1ይ ተኸሳሲ ሃብታሙ /ጊታር/ እንዳላማው፣ 2ይ ተኸሳሲ ምስጋናው /ጉቸ/ ደርሶ፣ 3ይ ተኸሳሲ ሃብቱ /ማስተር/ ሲሳይ ዝተብሃሉ ተኸሰስቲ ኢዩ።

እቲ ቅፅዓት ክውሰን ዝኸኣለ ድማ ተኸሰስቲ ኮነ ኢሎም ሰብ ንምቕታል ብምሕሳብ 16 ጥሪ 2013 ዓ.ም ብግምት ለይቲ ሰዓት 9 ኣብ ዝኾነ እዋን ኣብ ከተማ ባህርዳር ቀበሌ 17 ፍሉይ ሽሙ ናይ ቀደም ዕዳጋ ከፍቲ ከባቢ ሰርክሉ መዋቲ ታዘበው ዝተብሃለ ውልቀ ሰብ፥ 1ይ ተኸሳሲ እምኒ ደርቢዩ ርእሱ ብምውቃዕ ክወድቕ ምስ ገበረ፤ 2ይን 3ይን ተኸሰስቲ ኣብ ከብዲ፣ የማናይ ቅልፅምን ዝባንን መዋቲ ብጭካነ ደጋጊሞም ብካራ ብምውጋእ ህይወቱ ከሓልፍ ብምግባሮም ኢዩ።

ስለዝኾነ ድማ ከቢድ ገበን ምቕታል ሰብ ፈፂሞም ብምባል ዓቃቢ ሕጊ ናይ ሰብን ፅሑፍን መረዳእታ ዘርዚሩ ክሲ ብምቕራቡ እቲ ብይን ክብየነሎም ከማዝኸኣለ ተመልኪቱ፡፡

ዓቃቢ ሕጊ ዝፈፀሙዎ ገበን ኮነ ኢሎም ዝፈፀሙዎ ከምዝኾነ ዘቕረቦ መረዳእታ ተኸሰስቲ ተኻቲዖም ውዱቕ ክገብሩዎ ብዘይ ምኽኣሎም፥ ኣብ ሕጊ ገበን ዓንቀፅ 539 ንኡስ ዓንቀፅ 1 “ሀ” ዝተደንገገ ድንጋገ ተመሓላሊፎም ከቢድ ገበን ምቕታል ሰብ ፈፂሞም ብምርካቦም ጥፍኣተኛታት ተባሂሎም፡፡

ቤት ፍርዲ እውን ትፍኣተኝነት ተኸሰስቲ ስዒቡ ብዓቃቢ ሕጊን ብተኸሰስቲን ዝቐረበ ርኢቶ ቅፅዓት ድሕሪ ምምርማር ንተኸሰስቲ ይእርም ኢዩ፣ የምህር ኢዩ፣ ንኻልኦት እውን ዘጠንቅቕ ኢዩ ኢሉ ዝኣመነሉ ውሳነ ዝሃበ እንትኸውን፥ 1ይን 2ይን ተኸሰስቲ መራሕቲ ስድራ ምዃኖም ከም መቕለሊ ቅፅዓት ብምውሳድ ብዕድመ ይፍታሕ ፅኑዕ ማእሰርቲ፣ ሳልሳይ ተኸሳሲ ድማ ዘእምን መቕለሊ ቅፅዓት ስለዘየቕረበ ብሞት ቅፅዓት ንኽቕፅ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ባህርዳርን ከባቢኣን ሳልሳይ መጋባእያ ገበን ውሳነ ምሕላፉ ካብ ኮሙዩኒኬሽን ኮሚሽን ፖሊስ ኣምሓራ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.