Fana: At a Speed of Life!

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ክሶም ዝተቛረፆም ሰለስተ መዝገብ ክሲታት ከይዲታት ስነ-ስርዓት ዝምልከት መብርሂ ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ክሶም ዝተቛረፆም ሰለስተ መዝገብ ክሲታት ከይዲታት ስነ-ስርዓት ዝምልከት መብርሂ ሂቡ።

እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፥ ኣቢያተ ፍርዲ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓማውቲ ብሕገ-መንግስቲ ዝተውሃቦም ሓላፍነት ብግቡእ ንምስላጥ ብዙሓት ለውጢታት ከምዝተግበረ ኣፍሊጡ፡፡

ካብ ሞንጎ እቶም ለውጢታት ትኹረት ዝገበሩ ድማ ብብርኪ ትካላዊን ውልቀ ሰብ ዳያኑን ናፅነትን ዘይሻራውነትን እቲ ቤት ፍርዲ ምኽባር ከምዝርከቡዎ ገሊፁ፡፡

28 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም ዓቃቢ ሕጊ ክሲ ንኽለዓል ናብ ቤት ፍርዲ መመልከቲ ብምቕራብ ክሲ ዝተለዓለሎም መዘግባትን ኣብ ከይዲ ስነ-ስርዓት ግደ ኣቢያተ ፍርዲን እንታይ ከምዝኾነ ንሕብረተሰብ እኹል ግንዛበ ምሃብ ስለዘድሊ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ መግለፂ ከምዝሃበ እውን ኣብሪሁ፡፡

28 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም ብሙሉእ ወይንድማ ብኽፋል ኣብ ሰለስተ መዝገብ ክሲታት ዝቐረቡ ክሲታት ንኽቋረፁ ሚኒስትር ፍትሒ ንዝምልከቶ መጋባእያ ብዘቕረቡዎ ሕቶ መሰረት ብምግባር ሕጋዊ ስርዓቱ ሓሊዩ ከምዝተተግበረ ገሊፁ።

ብመሰረት እዚ፦

– ኣብ ሞንጎ ከሳሲ ዓቃቢ ሕጊን ተሰስቲ እኒ ጀዋር ሲራጅ መሓመድ (ብድምር 20 ተኸሰስቲ)

– ኣብ ሞንጎ ከሳሲ ዓቃቢ ሕጊን ተሰስቲ እኒ እስክንድር ነጋን (ብድምር 7 ተኸሰስቲ) ከምኡ እውን

– ኣብ ሞንጎ ከሳሲ ዓቃቢ ሕጊን ተሰስቲ እኒ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል (ብድምር 6 ተኸሰስቲ ዝቐረበ ክሲ) ዝምልከቱ ክሲታት ንኽቋረፁ ሕቶ ቀሪቡ።

ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል መጋባእያ ጉዳያት ገበን ሕገ-መግስቲን ግብረ ራዕዲን፥ እቶም ሚኒስትር ፍትሒ ዘቕረቡዎ መመልከቲ ብምምርማር ኣብ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ መጣየሺ ኣዋጅ ቁፅሪ 943/2008 ዓንቀጽ 6(3)ሠ መሰረት ብምግባር ክሶም ዘልዐሉ ከምዝኾኑ ምስ ኣረጋገፀ ተኸሰስቲ ንኽልቀቑ፤ ተኸሰስቲ ብካሊእ ገበን ዘይድለዩ እንተኾይኖም ካብ እሱር ንኽፍትሑ ንቤት ህንፀት ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ኢዩ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ስራሕ ዘሎ ሕጊ መሰረት ብምግባር ከሳሲ ዓቃቢ ሕጊ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ክሱ ክቕፅል ከምዘይደሊ እንተመልክት፤ ቤት ፍርዲ ሕቶ ምቁራፅ ክሲ ተቐቢሉ ኣብ ማአሰርቲ ዝርከቡ ተጠርጠርቲ  ንኽልቀቑ ዝተኣዘዘ ስለዝኾነ፥ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ተኸቲሉ ዝተወሰደ ከምዝኾነ ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.