Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ብስልኪ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ብስልኪ ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ፣ ክልተኣዊ ርክብ እተን ሃገራትን ዞባዊ ጉዳያትን ኣመልኪቶም ተመያይጦም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፥ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ምኽባር ልዕልነት ሕጊ ዝርከበሉ ብርኪ ከምኡ እውን መንግስቲ ሰብኣዊ ሓገዝን ኣብ ሰብኣዊ ጉዳያትን ብምድሃብ ንጆ ባይደን ገለፃ ገይሮምሎም፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ናፃ ዝወፅኡ ከባቢታት ዝግበር ርብርብ መሊስካ ህንፀት መንግስቲ እናገበሮ ዝርከብ ፃዕሪ ኣመልኪቶም መብርሂ ሂቦምዎም።

ክልቲኦም መራሕቲ ክልተኣዊ ርክቦም ንምጥንኻርን ኣብ ሓበራዊ ጉዳያትን ብምትሕብባር ንምስራሕ ዘለዎም ቆራፅነት ኣረጋጊፆም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.