Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝትግበር ናይ 4 ቢሊየን ብር ፕሮጀክት ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካል እግሪ ምትካል ኣምሓራ (ኣመልድ) ኣብቲ ክልል ዝትግበር ስምምዕነት ፕሮጅክት ሓሙሽተ ዓመት ተፈሪሙ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ትካል ዶክተር ኣለማየሁ ዋሴ፥ እቲ ትካል ካብ ለገስቲ ኣካላት ብዝረኸቦ ገንዘባዊ ሓገዝ ኣቢሉ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝትግበር ናይ 4 ነጥቢ 5 ቢሊየን ብር ስምምዕነት ምስ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕ ተፈራሪሞም፡፡

ትኹረቱ ድማ ኣብ ብምዕባይ ዓቕሚ መተሓዳደሪ፣ ስርዓት ኣመጋግባ ብምምሕያሽን ዓቕሚ ትካላት ብምጉልባትን ትኹረት ገይሩ ክስራሕ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎን ምምሕዳር ብሄረሰብ ዋግህምራን ኣብ ዝርከባ ትሽዓተ ወረዳታት ተግባራዊ ዝግበር እንትኸውን፥ ኣብ 207 ቀበሌታት 217 ሺሕን 879 ሰባት ብቐጥታ ተረባሕቲ ከምዝገብር ኣብቲ ስነ ስርዓት ፊርማ ምግላፁ ኣሚኮ ፀብፂቡ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.