Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ዝተወሰኑ እሱራት ክሶም ብምቁራፅ ካብ ማእሰርቲ ምፍትሑ ንኣካታታይነት ሃገራዊ ምኽክር ርኡይተ ታራ ኣለዎ – ሚኒስቴር ፍትሒ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ዝተወሰኑ እሱራት ክሶም ብምቁራፅ ካብ ማእሰርቲ ምፍትሑ ንኣካታታይነት፣ ሰብኣውነትን ርህራሀን ሃገራዊ ምኽክር ተሓሳቢ ዝገበረ ውሳነ ምዃኑ ሚኒስቴር ፍትሒ ገሊፁ።

ሚኒስትር ፍትሒ ዶክተር ጌዲዮን ጢሞቴዎስ፥ መንግስቲ ትማሊ ዝፈትሖም ዝተወሰኑ እሱራት ኣመልኪቶም ንግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ መብርሂ ሂቦም።

ኣብ መብርሂኦም ድማ ካብ ሞንጎ ልሂቃን ፖለቲካ ሓሊፉ ናብ ማሕረሰብ እናተንፀባረቑ ዝርከቡ ዘይምስምዕማዓት፥ ፀገማት ብሃገራዊ ምኽክር ካብ መሰረቶም ንምፍታሕ ብስሩዕ ፍትሒ ጥራሕ ዘይኮነስ ብማዕቐፍ ስግግር ተሃድሶ መዕለቢ ክረኸቡ ምግባር ከምዘድሊ ገሊፆም።

ብዝተፈላለዩ ገበናት ተጠርጢሮም ዝተትሓዙ እሱራት ኣብ ምፍታሕ ከይዲ ዝግበር ‘ምህረት’ ብኣካል መውፅኢ ኣካል እንትኸውን፥ ይቅርታ ድማ ድማ ብቦርድ ይቅርታ መሰረት ብምግባር ብፕሬዚዳንት እታ ሃገር ኣቢሉ ዝፍፀም ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ስለዝኾነ ድማ ትማሊ መንግስቲ ብዕሊ ዝገበሮ እሱራት ናይ ምፍታሕ ስጉምቲ ምሕረት ይኹን ይቅርታ ዘይኮነስ ኣብ ከይዲ ክትዕ ቤት ፍርዲ ዘሎ ጉዳይ ክሲ ናይ ምቁራፅ ውሳነ ከምዝኾነ እቶም ሚኒስትር ኣገንዚቦም።

እቲ ውሳነ ምቁራፅ ክሲ ኣብ ሰለስተ መዝገብ ክሲታት እንትኸውን፥ ኣብቶም ክልተ መዝገባት ብእኒ ኣይተ ጃዋር መሓመድን ኣይተ እስክንድር ነጋን ዘለዉ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ኣብቶም መዝገባት ክልተ ውልቀ ሰባት ብዙሕ ተኸታሊ ዘለዎም ኣመራርሓታት ፖለቲካ ስለዝኾኑ ንመድረኽ ሃገራዊ ምኽክር ኣካታታይነትን ኣሳታፋይን ዝህልዎ ረብሓ ኣብ ግምት ዘእተወ ከምዝኾ ገሊፆም።

“ሃገራዊ ምኽክር ኣብ ሓንቲ ሃገር ኣብ ውሽጢ ብዙሕ ዘበናት ሓደ ግዘ ዝግበር ኢዩ” ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፥ ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕዚ ንኹሉ ዘካተተ ምኽክር ተኻይዱ ከምዘይፈልጥ ኣብሪሆም።

ስለዝኾነ ድማ እቲ እሱራት ናይ ምፍታሕ ውሳነ ኩሉ ሕብረተሰብ ተሳቲፈሉ ኢየ ዝብሎ ኣሳታፋይን መካተቲን ተቐባልነት ዘለዎ መድረኽ ምኽክር ክኸውን ንምግባር መንግስቲ ዝኸዶ ርሕቐት ከምዝኾ ሓቢሮም።

ኣብ ሳልሳይ ክሲ መዝገብ ድማ ብሽም እኒ ዶክተር ደብረፂዮን ዝተኻተቱ ሽዱሽተ ውልቀ ሰባት ብመንፅር ፀገም ጥዕናን ምድፋእ ዕድመን ጉዳዮም ተራኢዩ ንሰብኣውነትን ርህራሀን ተባሂሉ ካብ እስር ክፍትሑ ከምዝተገበረ ኣብሪሆም።

እቶም ካብ ማእሰርቲ ክፍትሑ ዝተወሰነሎም ሽዱሽተ ውልቀ ሰባት ኣባል ፈፃሚ ስራሕ እቲ ግብረ ራዕዲ ዘይነበሩ ከምዝኾ ፀሪሖም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.