Fana: At a Speed of Life!

ኣዶ ሰብ ብርቱዕ ቀላፅም ‘ኢትዮጵያ’ ብትንፋስ ደቃ ሰንደቓ ዳግም ክብ ኢሉ ክውልብለብ ኢዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ  

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)”ኣዶ ሰብ ብርቱዕ ቀላፅም ‘ኢትዮጵያ’ ብትንፋስ ደቃ ሰንደቓ ዳግም ክብ ኢሉ ክውልብለብ ኢዩ” ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ሓይሊ ምክልኻል ሃገር ኣመልኪቶም መግለፂ ኣውፂኦም።

ኣብ መግለፂኦም ድማ ኢትዮጵያ ዝብል ስም ንኣሽሓት ዘበናት ምስ ናፅነት፣ ሰዓራይነትን ኣይድፈርን በሃላይነትን ዝተሓሓዘ ከምዝኾነ ገሊፆም።

”ኣዶ ሰብ ብርቱዕ ቀላፅም ዝኾት ‘ኢትዮጵያ’ ብትንፋስ ደቃ ሰንደቓ ዳግም ሓፍ ኢሉ ክውልብለብ ኢዩ” ክብሉ እውን ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያ ዝብል ስም ንኣሽሓት ዘበናት ምስ ናፅነት፣ ሰዓራይነትን ኣይድፈርን በሃላይነትን ዝተሓሓዘ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ “ካብ ፈላስፋታት ግሪኽ ክሳብ ሮም፣ ኣቦታት እብራውያንን ፋርስን፣ ሊቃውንቲ ርሑቕ ምብራቕን ዓረብን፣ ካብ ብሉይን ክሳብ ሓዱሽን ኪዳን፣ ካብ ክርስትና ክሳብ እስልምና፤ ኢትዮጵያ ደላይት ሰላም ምዃና፣ ሰዓራይነታ ኣይድፈርን በሃላይነታ አናተነገረ መፂኡ ኢዩ፤ ክነብር እውን ኢዩ” ኢሎም።

እዚ ዝመሰለ ዓቢዪ ስም ድማ ሱቕ ኢሉ ዝርከብ ስለዘይኮ ብኸመይ ክኸውን ክኢሉ ብምባል ምሕታት ከምዝግባእን ብቐሊሉ ዘይርከብ ክብሪ ከምዝኾነን ተዛሪቦም።

ከምዚ ዓይነት ክብሪ ብዓቢዪ መስዋእትነትን ከምዝርከብን ኢትዮጵያውያን ድማ ብዘይ ኣፈላላይ ንሃገሮም መስዋእትነት ንምኽል ኣብ ዝኾነ እዋን ድሉዋት ከምዝኾኑን ኣብሪሆም።

“እዚ ዘይፈልጡ ናይ ውሽጢ ወፃን ፀላእቲ ንኢትዮጵያ ደጋጊሞም ፈቲኖምዋ ኢዮም፤ ንሳ እውን ደጋጊማ ፈተናኣ ሓሊፋ ኢያ፤ ፀላእታ እውን ደጋጊማ ክሳዶም ከድንኑ ገይራቶም ኢያ” ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ ሞንጎ እቶም ፈተናታት ሓደ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዘጋጠማ ፈተና ከምዝኾነ ገሊፆም።

ንኢትዮጵያ ብዘይ ምፍላጥ ሕማም ዝተጠቕዐ ግብረ ራዕዲ ህወሓት፣ ምሸት 23 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ብምፍፃም ንኢትዮጵያ ንምድፋር ከምዝተለዓለን እዚ ድማ ዘሕዝን ተደራራቢ ክሕደት ዝተርኣየሉ ከምዝኾን ኣፍሊጦም።

23 ጥቅምቲ ዝተገበረ ክሕደት ጀጋኑ ኣባላት እዚ ሰሜን ብዘደንቕ ኢትዮጵያዊ ጥበብ እናተዋግኡ፣ መሳርሒኦም ሒዞም ካብ ክባ ፀላኢ ብምውፃእ ከምዘፈሸሉዎን ዝተሰውኢ ተሰዊኦም፤ ዝቖሰሉ ቆሲሎም፣ ኢትዮጵያ ብናይ ሰፈር መንእሰይ ዘይትስበር ሃገር ምዃና ኣመስኪሮም ኢዮም ኢሎም።

“ምድፋር ሃገሩ ከም ቁስሊ ዘስካሕኸኾ ኢትዮጵያዊ ኩሉ፣ ካብ ሊቅ ክሳብ ደቂቕ ነቒሉ ብምልዓሉ፣ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰለሙን ንፀላኢ ካብ ማእኸል ስሕበቱ መቐለ ናብ በረኻ ተምቤን ኣፋኒዩዎ ኢዩ ኢሎም።

ዝተማረኹ ኣባላት እዚ ሰሜንን ዕጥቂታትን ከምዝተመለሱ፣ ንብዙሕ እዋናት እቲ ጉጅለ ካብ ዓይኑ ከይርሕቕ ገይሩ ዝሓብኦ ስትራቴጂያዊ መሳርሒ ብምውራስ፤ ዝተወሰኑ ኣባላት እቲ ጉጅለ ብምድምሳስ፣ ዝተወሰኑ ድማ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓል ከምዝተኽኣለ እውን ገሊፆም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንህዝቢ እንትበሃል ኣብ ሰብኣውነት ዝተመርኮዘ በይናዊ ምቁራፅ ተኹሲ ወሲኑ ካብ ትግራይ ከምዝወፅአ ኣብ መግለፂኦም ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ይኹን እምበር ካብ ዝሓለፈ ጥፍኣቱ ዘይመሃር ንህዝቢ ብዕስለ ኣሰሊፉ ንሰራዊት ምክልኻል ምውግኡ ከምዝቐፀለን ምስ ናይ ርሑቕን ቀረባን ፀላእቲ ተመሳጢሩ ንኢትዮጵያ ክወግእ ከምዝመፅአን ኣገንዚቦም።

እዚ ዝተዓዘቡ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ብኹለመዳይ ምንቅስቓስ ሓገዝ ብምግባር፣ ናብ ግምባር ብምዝማት፣ ደጀን ብምዃን፣ ካም ሓራስ ነብሪ ተቖጢዖም ሃገር ካብ ግብረ ራዕዳውያን ደፈርቲ ከድሕኑ ከምዝተመሙ ገሊፆም።

“ኢትዮጵያ ብደቃ ኮሪዓ፤ ኢትዮጵያ ማለት እንታይ ማለት ከመዝኾነ ድማ ንፀላእታ ዳግም ኣርኢያ ኢያ፤ ኢትዮጵያ ግን ንኹሎም ስዒራ ተዓዋቲት ክትከውን ክኢላ ኢያ” ኢሎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መግለፂኦም፥ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያዊ፣ ዘበናዊ፣ ኩለመዳይ ዲሲፒሊን ዘለዎ ኮይኑ ክህነፅ ከምዝግበኦ ኣገንዚቦም።

እዚ ንኽወት ድማ ቃልሲ ኩሎም ኢትዮጵያውያን የድሊ፤ ብፍላይ ድማ ኣብቲ ዓውዲ ዘለዉ መኮንናት ዓቢዪ ሓላፍነት ኣለዎም፤ ብፍላይ ድማ ሎሚ መዓልቲ ተሸለምቲ ዝኾ መኮንናት ዓቢዪ ሓላፍነት ኣለዎም ኢሎም፡፡

“ዝተውሃበኩም መዓርግን ዝተሸለምኩምዎ ሜዳሊያን ብቀዳማይ ብርኪ ኣብ ዓውደ ኲናት ውዕሎኹም ዝፈፀምኩምዎ ጅግንነት ተሓሳቢ ዝገበረ ኢዩ፤ ንኢትዮጵያ ምውዳቕ፣ ምንህዝቢ ኢልካ ዋጋ ምኽፋል “ጀግና” ካብ ዝብል ክብሪ ሓሊፊ ብመዓርግን ብሜዳሊያን ምድጋፉ ንዓኹም ከም ኣፍልጦን ንኻልኦት ድማ ከም ትምህርቲ ኮይኑ ዘገልግል ኢዩ” ኢሎም።

“በዚ መልክዕ ናይ ናፅነት ቀለም ዝኾነት ኢትዮጵያ፣ ኣዶ ሰብ ብርቱዕ ቅልፅም ዝኾነት ኢትዮጵያ፤ ብትንፋስ ደቃ ሰንደቓ እናተውለብለበ ንዘለኣለም ክነብር ኢዩ” ክብሉ መግለፂኦም ኣፍሊጦም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.