Fana: At a Speed of Life!

“ጅግና ሕዝቢ – ብየማናይ ኢዱ እዱ ዓወት ዝጭብጥ፣ ብፀጋማይ ኢዱ ይይቕሬታን ምሕረትን ዝልግስ ኢዩ!” – ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ታሕሳስ፣ 2014 ( ኤፍ ቢ ሲ) “ጅግና ሕዝቢ – ብየማናይ ኢዱ እዱ ዓወት ዝጭብጥ፣ ብፀጋማይ ኢዱ ይይቕሬታን ምሕረትን ዝልግስ ኢዩ!” ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ “ዝኾነ ይኹን ጉዕዞ ብዓወት ተዛዚሙ ዝበሃል ሓደ በቢምዕራፉ፣ ካልኣይ መወዳእታ እቲ ጉዕዞ ብዕዉት ኩነታት እንትዛዘም ከምዝኾነ ገሊፆም።

“ሓፈሻዊ ጉዕዞ ዝወቀበን ዝሰመረን ንኽኸውን ሕድሕድ ምዕራፍ ብዝግባእ ክዛዘም ኣለዎ” እውን ኢሎም።

“ጉዕዞ ሃገርና ብተደጋጋሚ ካብ ዘጋጥሙዎ ፈተናታት ሓደ ግቡእ ብዝኾ መገዲ ምዕራፋቱ ይኹኑ መፈፀምትኡ ዘይምኽምባት ኢዩ” ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ዝኾነ ይኹን ሃገራዊ ትግባር ክልካዕ ዝግበኦ ብኸይዱን ውፅኢቱን ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

ከይዱን ውፅኢቱን ግቡእ ደረጃ ሓሊዮም ግቡእ ውፅኢት ከምፅኡ ኣለዎም ክብሉ ገሊፆም።

ሃገራዊ ለውጢ ካብ ንጅመር ኣትሒዙ “መገዲና ምድማር፣ ሽቶና ምዕባለ ኢዩ” ብምባል ብመገዲ ምድማር ተጓዒዝና ናብ ኩለመዳይ ምዕባለ ንምብፃሕ ድማ ሰላም፣ ይቕሬታን ፍቕሪን እቶም ቀንዲ ክብሪታት ምዃኖም ከምዝተገለፀ ኣብሪሆም።

“ሃገራዊ ሰላም ንምዕሳል ድማ ሰላማዊ መገዲ ፖለቲካ ጥራሕ ምኽታል፣ ዝሓለፉ ቂምታታት ብይቕሬታ ምፍታሕ፣ ቀፃሊ ጉዕዞ ድማ ኣብ ፍቕሪ ህዝቢታት ብምምስራት ህብረ ብሄራዊ ሓድነትና ክነፅንዕ ኣለና ማለትና ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

“ካብ መበገሲ ጉዕዞና ጀሚሩ እውን ኣብ ቀንዲ ቀንዲ ኣፈላላያትና ሃገራዊ ምይይጥ ኣፈላላያትና ብዘተ እምበር ብጎንፂነ ኲናትን ኣይፍትሑን እናበልና ዝነበርና ካብዚ ፅኑዕ መምርሒና ዝተበገሰ ኢዩ”።

ዝኾነ ይኹን መገዲ ሰላም ይቕሬታን ፍቕሪን ክጥሕሶም ዘይግብኡ ቀያሕቲ መስመራት ኣለዉ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ህብረ ብሄራዊ ሓድነትና ዝኸፋፍል፣ ክብሪን ሉኣላዊነትን ሃገርና ዝጥሕስን ግዝኣታዊ ሓንድነና ኣብ ኣሓደጋ ዘውድቕን ዝኾነ ይኹን መፍትሒ ተቐባልንት የብሉን” ኢሎም።

ምስ ግብረ ራዕዲ ህወሓትን ተለኣኣኺኡ ሸኔን ዝተገበረ ኲናት ቀይሕ መስመር ስለዝተጣሓሰ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

የጥንካሬና የኩራታችን ምንጭ የሆነው ሕዝባችን ግን በቀላሉ የሚበገር አልሆነም ፍልፍል ጥንካረን ኩርዓትን ዝኾኑ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ግን ብቐሊሉ ዝሰዓሩ ከምዘይኮኑ ገሊፆም።

ቆፉኡ ከምዝተነኽ ንህቢ ሆ ኢሎም ብምልዓል ብኹሉ ኣንፈት ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ብብቕዓት እናመከትዎ ይርከቡ ኢሎም።

ጅግና ሕዝቢ ብጭቆና ምምብርካኽ እምበር ትሕትናን ይቕሬታን ኣይፀልእን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ሰዓራይ ዓወት ዝሕሉ፣ ትሑትን መሓሪን ኢዩ” ብምባል ህዝቢና “ውግእ ናይ ሰብ፤ ዓወት ናይ ፈጣሪ ኢዩ” ኢሉ ከምዝኣምን ኣገንዚቦም።

ሕዚ ዝተረኸበ ዓወት ብሰለስቲኦም ክብሪታት ዓወት ኢትዮጵያውያን ምዝዛም የድሊ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ንሳቶም እውን ዓወት ሓሊኻ ምቕፃል፣ ብትሕትናን ብምሕረትን ኢዮም።

“ናብ ኲናት ዝኣተና ሰላም ብኻሊእ መገዲ ክነምፅእ ስለዘይከኣልና ኢዩ፤ ኲናት ናይ መወዳእታ ኣማራፂ መረጋገፂ ሰላም ስለዝኾነ ኢዩ፤ ብምባል ብባህልና እውን መዛዘሚ ጎንፂ ዕርቂን ይቕሬታን ኢዩ ኢሎም።

ከድላችን ማግሥት አራት ነገሮችን መርሖቻችን አድርገን እንሄድባቸዋለን። 1ኛ – ድላችንን እንዳይቀለበስ አድርገን በሁለንተናዊ መስክ እናጠብቀዋለን። 2ኛ – ድላችን ዘላቂ እንዲሆን በፖለቲካዊና ሰላማዊ መንገዶች እንዲቋጭ እናደርገዋለን። 3ኛ – ድላችንን ለመጠበቅና ድላችን ዘላቂ ለማድረግ እንድንችል በአሸናፊ ምሕረት ግጭቱ

ድሕሪ ዓወት ኣርባዕተ ነገራት መምርሒ ብምግባር ከምዝስራሕ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መግለፂም ኣገንዚቦም።

ንሳቶም እውን፦ 1ይ ዓወት ከይዕፀፍ ብምግባር ብኩለመዳይ መልክዑ ምሕላው፤ 2ይ እቲ ዓወት ዘላቒ ንኽኸውን ብፖለቲካዊን ሰላማዊን መገዲታት ክዛዘም ምግባር፤ 3ይ ዓወታት ንምሕላውን ዘላቒ ንምግባርን ብምሕረት ተዓዋታይ ዝተፈጠረ ወጥሪ ምህዳእ፤ 4ይ ድማ ዘጥፈአ ንኽቕፃዕ፣ ዝበደለ ንኽኽሕስ ኩለመዳይ ፍትሒ ብስግግርን ምልከታ ፍትሒ ተሃድሶን፣ ሃገራዊ ባህሊታትን ክብሪታትን ተሓሳቢ ብዝገበረ መልክዑ ፍትሒ ምዕሳል ከምዝኾኑ ኣፍሊጦም።

ብዓወት፣ ብምሕረትን ትሕትናን ዘላቒት ፅንዕቲን ሰዓሪትን ኢትዮጵያ ከምትግበር ኣብ መልእኽቶም ገሊፆም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.