Fana: At a Speed of Life!

ሓድጊ ላሊበላ ሃፍቲ ኩሎም ደቂ ሰባት ብምዃኑ ብሓባር ክንሕልዎን ክንከናኸኖን ይግባእ – ዶ/ር ይልቃል ከፋለ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ታሕሳስ፣ 2014 ( ኤፍ ቢ ሲ)”ሓድጊ ላሊበላ ሃፍቲ ኩሎም ደቂ ሰባት ብምዃኑ ብሓባር ክንሕልዎን ክንከናኸኖን ይግባእ” ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፋለ ገሊፆም።

በዓል ልደት “ልደት ኣብ ላሊበላ” ብዝብል መሪሕ ቃል ካብ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ዝመፅ ብዙሓት ዕዱማት ኣብ ዝተረኸቡሉ ብብርኪ ሃገር ኣብ ከተማ ላሊበላ ተኸቢሩ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ መደረ ዘስምዑ እቶም ርእሰ ምምሕዳር፥ ሓድጊ ላሊበላ ሃፍቲ ኩሎም ደቂ ሰባት ብምዃኑ ብሓባር ክሕልዉዎን ክንከናኸኑዎን ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ፀጋ ስልጣነ ላሊበላ ብኣካል ብምርካብ ክመሃሩሉ፣ ክመራመሩሉ ከምኡ እውን ክሕልዉዎ ከምዝግባእ ሓቢሮም፡፡

ብምኅንያት ኲናት ንብረቶም ዝዓነዎም ወገናት ኣብ ጎኖም ብምዃን ሓገዝ ክግበረሎም ይግባእ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ኣብቲ በዓል ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ፣ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ዕዱማት ኣጋይሽን ብዙሓት በፃሕቲን ተረኺቦም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.