Fana: At a Speed of Life!

ናይዚ ዓመት በዓል ልደት ብብዙሓት ዓወታት ተዓጂቡ ኣብ ኢትዮጵያዊነትን ሕብረብሄራዊ ሓድነትን ወቂቡን ደሚቑን ዝኽበር በዓል ኢዩ – ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይዚ ዓመት በዓል ልደት ብብዙሓት ዓወታት ተዓጂቡ ኣብ ኢትዮጵያዊነትን ሕብረብሄራዊ ሓድነትን ወቂቡን ደሚቑን ዝኽበር በዓል ኢዩ ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

እተን ከንቲባ በዓል ልደት ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፈን።

ኣብ መልእኽተን ድማ “እዚ በዓል ብፍላይ ድማ ናይዚ ዓመት በዓል ልደት ብብዙሓት ዓወታት ተዓጂቡ፤ ኣብ ኢትዮጵያዊነትን ሕብረብሄራዊ ሓድነትን ወቂቡን ደሚቑን ዝኽበር በዓል ኢዩ” ኢለን፡፡

“በዓል ልደት እንትነኽብር ግብረ ራዕዲ ህወሓት ወራር ኣብ ዝፈፀመሎም ከባቢታት ዝተመዛበሉ፣ ዝተጎሳቖሉ፣ ጉድኣት ዝበፅሖም ወገናት ብምብፃሕን መሊስካ ብምጥያሽን፣ ንስድራ ዘመትቲ ብምድጋፍ፣ ንጅግና ሰራዊት ምክልኻል ብምብርትታዕ፣ ኢትዮጵያዊ ናይ ምትሕግጋዝ ባህልና ብምቕፃል ብምትሕስሳብን ብሓድነትን ክኸውን ይግባእ” ኢለን፡፡

መላእ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና ርሑስ በዓል ልደት ንኽኾነሎም እውን ሰናይ ትምኒተን ገሊፀን።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.