Fana: At a Speed of Life!

ሎሚ ንጉሆ ካብ ኣሜሪካን ካንዳን ዝኣተዉ ዲያስፖራታት 17 ሽሕ ዶላር ኣሜሪካ ድጋፍ ኣተኣኻኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ኣሜሪካ ዋሽንግተን ዲሲን ካብ ካናዳ ቶሮንቶን ፃውዒት ሃገር መልሲ ንምሃብ ብርክት ዝበሉ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም።

እቶም ተጓዓዝቲ ዲያስፖራታት ኣብ እዋን ጉዕዝኦም ኣብ ውሽጢ ኣውሮፕላን ገንዘብ ብምትእኽኻብ በቲ ኵናት ንዝተጎድኡ ድጋፍ እናገበሩ ይርከቡ።

ሎሚ ንጉሆ ካብ ዋሽንግተን ዲሲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተዉ ተሳፈርቲ ውለቀ ሰባት 12 ሽሕ ዶላር ኣሜሪካ ብምትእኽኻብ ድጋፍ ምግባሮም ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ካብ ካናዳ ቶሮንቶ ናብ ውሽጢ ዓዲ እናኣተዉ ዘለዉ ተጓዓዝቲ 5 ሽሕ ዶላር ኣሜሪካ ብምትእኽኻብ ናብ ቁፅሪ ሒሳብ “ኣይዞን ኢትዮጵያ” ኣታዊ ገይሮም ኣለዉ።

እቶም ዲያስፖራታት ኣብ ፃንሒቶም ብሰንኪ ኵናት ዝተጎድኡ ከባታት ዑደት ብምግባር ንወገናት ብዘላቕነት መሊስካ ንምጥያሽ ዝከኣሎም ኹሉ ከምዝሕግዙ ምግላፆም ተሓቢሩ።

ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝመጹ ዲያስፖራታት ኣብ እዋን ጉዕዞኦም ዝተኣኻኸቡዎ ድገፍ ገንዘብ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣታዊ እናገበሩ ይርከቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.