Fana: At a Speed of Life!

ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት በዓል ልደት ምኸንያት ብምግባር ንመላእ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት በዓል ልደት ምኸንያት ብምግባር ንመላእ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፋለ ንመላእ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና እንኳዕ ንልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብፀሐኩም ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም፡፡

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብ መልእኽቶም፥ “በዓል ልደት ኣብ ላሊበላ እንትነኽብር ክቡር ዝኾነ ክብሪና ንዓለም ነፋልጠሉ ኢዩ” ኢሎም።

በዓል ልደት እምነት ጥራሕ ዘይኮነስ ባህሊን መንነትን ሓዊሱ ዝኽበር ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንፁሃን ጨፍጪፉ ብዙሕ ንብረት ኣዕኒዩን ዘሪፉን ይኺድ እምበር እቲ በዓል እንትነኽብር ልቢ ዝተጎድኡ ዜጋታት ዝፅግን ሃፍቲን ንብረትን ዝመልስ ተግባር ብምፍፃም ነቲ ኣጋጣሚ ምጥቃም ከምዘድሊ ኣገንዚቦም።

እቲ በዓል ኣብ ላሊበላ ዘኽብሩ ብፍላይ ዳያስፖራታት ነዚ መልእኽቲ ብምትግባር ሃፍቲን ንብረትን ዝዓነዎም ዜጋታት መሊስካ ኣብ ዝትከአሉ መገዲ ናይ ባዕሎም ኣስተዋፅኦ ንኽገብሩ ምሕታቶም ኣሚኮ ፀብጺቡ፡፡

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብ መልእኽቶም፥ ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ተስፋ፣ ፍቕሪን ሕውነትን ከምዘምህርን ብናቱ ልደት ምኽንያት ኣብ ዝተፈላለዩ ፀገማትን መከራን ዝነበሩ ሰባት ተስፋን ክብሪን ከምዝረኸቡን ገሊፆም፡፡

እዚ ድማ ወዲ ሰብ ዝኾነ ይኹን መከራ የጋጥሞ እምበር ተስፋን ሓጎስን ምርኣዩ ከምዘይተርፍ ዘርኢ ከምዝኾነ ገሊፆም።

“ንተኸተልቲ እምነት ክርስትና እንኳዕ ንልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብፀሐኩም” ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ብተመሳሳሊ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኣይተ ርስቱ ይርዳ በዓል ልደት ምኽንያት ብምግባር መልእኽ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም፡፡

ኣይተ እርስቱ ኣብ መልእኽቶም፥ ናይዚ ዓመት በዓል ልደት ዝኽበር ኢትዮጵያ ብዝተሓላለኹ ሃገራዊ ፈተናታት ሓሊፋ ናብ ትንሳኤኣ እናምረሐት ኣብ ትርከበሉ እዋን ከምዝኸነ ገሊፆም።

እቶም ርእሰ መምሕዳር፥ “ሙሉእ ትኹረትና ድሕሪ ኲናት ከጋጥሙ ዝኽእሉ ፀገማት ብምፅዋር ትንሳኤ ኢትዮጵያ ክብ ምግባር ኢዩ” ኢሎም።

ንመላእ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና እንኳዕ ንበዓል ልደት ብሰላም ኣብፀሐኩም ብምባል፤ እቲ በዓል ናይ ሰላም፣ ጥዕና፣ ምትሕስሳብን ሓድነትን በዓል ንኽኸውን ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ንመላእ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም ኢዮም

ክልላዊ መንግስታት ቤኒሻንጉል ጉሙዝ፣ ሃረሪን ህዝቢታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያን በዓል ልደት ኣመልኪቶም መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም ኢዮም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.