Fana: At a Speed of Life!

መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ገናሌ ዳዋ III ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ገናሌ ዳዋ III ሎሚ መዓልቲ ተመሪቑ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፣ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ፣ ሚኒስትር ማይ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂነር ስለሺ በቀለን ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር ኣብራሃም በላይን ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ተረኺቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብቲ እዋን ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፥ “ዝጀመርናዮ ወዲእና ሪባን ክንቆርፅ እምበር ተስፋ ኣይንቖርፅን ኢልና ነይርና፤ ናይ ሎሚ መዓልቲ ምርቓት ግድብ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ገናሌ ዳዋ III ድማ ናይ እዙ ሓደ ኣብነት ኢዩ” ኢሎም።

ንመላእ ኢትዮጵያውያን ከምኡ እውን ንነበርቲ ዞባታት ባሌን ጉጂን ናይ እንኳዕ ኣሐጎሰኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቲ ዝተመረቐ ግድብ፥ ሓይሊ ካብ ምፍልፋል ሓሊፉ ንብዙሓት ሰባት ክምግብ ዝኽእል ስራሕቲ ልምዓት መስኖ ክስረሐሉ ከምዝኽእል ገሊፆም።

“ዋና ትኹረትና ዝተሃንፀ ግድብ ምምራቕ ጥራሕ ኣይኮነን” ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር፥ ህንፀት ግድብ ገናሌ ዳዋ ሽዱሽተ ብኸመይ ተጀሚሩ ብኸመይ ይዛዘም ኣብ ዝብል ዓቢዪ ኣድህቦ ምግባር ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቦም።
ህንፀት ግድብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ገናሌ ዳዋ ሽዱሽተ፥ ከባቢ 1 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ዝኣክል ወፃኢ ከምዝሓትት እውን ገሊፆም።

ኣብ ልምዓት እቲ ግድብ ብዙሓት ሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ናይ ምስታፍ ድሌት ኣርእዮም ኢዮም ዝበሉ ዶክተር ኣቢይ፥ ይኹን እምበር መንግስቲ ምስ ኢትዮጵያውያን ሰብ ሃፍቲ ኮይኑ ናይ ምልማዕ ድሌት ከምዘለዎ ኣብሪሆም።

ብመሰረት እዚ ሰብ ሃፍቲ ውሽጢ ዓዲ ምስ መንግስቲ ብምዃን ብሽርክና ንኽልምዑን ድሌት ዘለዎም ሰብ ሃፍቲ ንሚኒስቴር ማይ መስኖን ኢነርጂን ንኸፍልጡን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ሚኒስትር ማይ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂነር ስለሺ በቀለ ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ትሑት ተበፃሕነት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ካብ ዘለወን ሃገራት ሓንቲ ከምዝኾነትን እዚ ንምምሕያሽ ዘኽእሉ ስራሕቲ እናተሰርሑ ምዃኖምን ኣፍሊጦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ተበፃሕነት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ካብ ሓፈሻዊ ህዝቢ ኢትዮጵያ እቲ 45 ሚኢታዊ ዝኸውን ጥራሕ ኢዩ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፥ እቲ ዝተመረቐ ግድብ ንምምሕያሽ ተበፃሕነት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ናይ ባዕሉ ብፅሒት ከምዝህልዎ እውን ገሊፆም።

ኣብ ተሓደስቲ ሓይሊታት ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝኾኑ ብምግላፅ፥ ብፍላይ ኣብ ተፋሰሳት መፅናዕቲ ኣዋፃኣይነት እናተኻየደ ምዃኑ ኣፍሊጦም።

ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን 4 ሺሕን 400 ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ እናፈልፈለት ከምዝኾነት ዝገለፂ ዶክተር ኢንጂነር ስለሺ በቀለ፥ ኣብ ቀጣሊ ድማ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰን ኮይሻን ሓዊሱ ካብ ካልኦት ሓይሊታት 7 ሺሕ 300 ሜጋ ዋት ንምፍልፋል እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ሎሚ መዓል ዝተመረቐ ግድብ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ገናሌ ዳዋ III፥ ኣብ 2002 ዓ.ም ህንፀቱ ከምዝተጀመረን 254 ሜጋ ዋት ሓይሊ ከፈልፍል ከምዝኽእልን ተገሊፁ።

እቲ ግድብ 2 ነጥቢ 57 ቢሊየን ሜትር ኪዩብ ማይ ናይ መሓዝ ዓቕሚ ከምዘለዎ እውን ተሓቢሩ።

ዝናባማ ኣብ ዝኾኑ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ዞባታት ባሌን ጉጂን ዝተሃነፀ ምዃኑ፥ እቲ ግድብ ሓይሊ ናይ ምፍልፋል ዓቕሙ ቀዋሚን ዝሐሸን ክኸውን ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ንህንፀት እቲ ግድብ 451 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ወፃኢ ዝተገበረ እንትኸውን፥ እቲ 60 ሚኢታዊ ካብ ባንኪ ኤክዚም ቻይና ብመልክዕ ልቓሕ፣ እቲ 40 ሚኢታዊ ድማ ብመንግስቲ ዝትሸፈነ ኢዩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.