Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ፈተውቲ ኢትዮጵያን ንዝተጎድኡ ወገናት ሓገዝ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን፣ ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ፈተውቲ ኢትዮጵያን ንዝተጎድኡ ወገናት ዝኸውን ሓገዝ ገይሮም።

ኣብ ጣሊያን ፔሩጂያ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያንን ተውልደ ኢትዮጵያውያንን ከምኡ እውን ፈተውቲ ኢትዮጵያ ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ካብ መረበቶም ንዝተመዛበሉ ወገናት ብካልኣይ ዙር ዘተኣኻኸቡዎ ልዕሊ 6 ሺሕ ዩሮ ኣታዊ ገይሮም።

ኣምባሳደር ደሚቱ ሃምቢሳ፥ ዝተገበረ ሓገዝን ድጋፍ ንዝገበሩ ወገናትን ምስጋና ኣቕሪበን።

እቶም ኢትዮጵያውያንን ተውልደ ኢትዮጵያውያንን ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ዘጋጠሙዋ ዕንቅፋታት ክሳብ ትሳገር ሓገዞም ኣጠናኺም ከምዝቕፅ ቃል ኣቲዮም።

ኣብ ዱባይን ሰሜን ኤሚሬታትን ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ተውልደ ኢትዮጵያውያንን እውን ንዝተጎድኡ ወገናትን ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት መሊስካ ንምህናፅን ዝውዕል 20 ሺሕን 800 ድርሃም ብተወከልቶም ኣቢሎም ነዚ ዕላማ ናብ ዝተኸፈተ ሒሳብ ኣታዊ ገይሮም፡፡

ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ሞያ ዝተዋፈሩ “ብዛዕባ ኢትዮጵያ ስቕ ኣይንብልን” ብዝብል ስያመ ብማሕር ተወዲቦም እዞም ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያን መናእሰይ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቆንስላ ጄነራል ፌዴሪኢ ዱባይን ሰሜን ኤሚሬታትን ብምርካብ ኢዮም ሓገዝ ገይሮም ዘለዉ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.