Fana: At a Speed of Life!

ንበዓል ልደት ጥዕንኡ ዝሓለወ ናይ ሕርዲ ኣገልግሎት ንመሃብ ምድላው ተገይሩ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ንበዓል ልደት ጥዕንኡ ዝሓለወ ናይ ሕርዲ ኣገልግሎት ንሕብረተሰብ ንምቕራብ ምድላው ከምዝተገበረ ትካል ቄራታት ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

በዓልቲ ሞያ ኮሙዩኒኬሽን እቲ ትካል ወይዘሪት ርብቃ ማስረሻ ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ፥ ነቲ በዓል ልዕ፤ሊ 5 ሺሕ ኣባጊዕ፣ ኣጣልን ከፍቲን ከምዝተዳለዉ ገሊፀን።

ጎድና ጎድኒ ድማ ፅሬቱ ዝሓለወ ስጋ ንሕረተሰብ ተበፃሒ ንምግባር እኹ ምድላው ዝተገበረሎም ማእኸል ማሕረዲታት ተሰናዲኦም ኢዮም ኢለን።

ኣብታ ከተማ ዝረኣዩ ዘይሕጋዊ ማሕረዲታት ንምክልኻል ምስ ኣኽበርቲ ደምቢን ፖሊስን ብምውዳድ ከምዝስርሑ ብምጽራሕ ሕረተሰብ እውን ሓበሬታ ብምሃብ ንኽተሓባበር ፀዊዐን።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘይሕጋዊ ሕርዲ ካብ ዘስዕቦ ፀገም ጥዕና ሓሊፉ በቢዓመቱ መንግስቲ ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ቢሊየን ብር ኣታዊ ከምዝስእን ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.