Fana: At a Speed of Life!

ዝተፈላለዩ ኣካላት ንሰራዊት ምክልኻል ልዕሊ 14 ነጥቢ 4 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተፈላለዩ ኣካላት ንሰራዊት ምክልኻል ልዕሊ 14 ነጥቢ 4 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሮም።

ትካል ሕትመት ብርሃንን ሰላምን ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር 10 ሚሊየን ብር ሓገዝ ዓይነትን ገንዘብን ዝገበረ እንትኸውን፥ ካብ ሞንጎ እቲ ሓገዝ 5 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ዝኸውን ኣቐዲሙ ናብ ግምባር ብምርካብ ብዓይነት ኣበርኪቱዎ፡፡

ሎሚ መዓልቲ ድማ 4 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ንሚኒስቴር ምክልኻል ርኽክብ ከምዝፈፀመ ኢቢሲ ፀብጢቡ፡፡

ብተመሳሳሊ ኣብ ዞባ ምዕራብ ኦሞ ምምሕዳር ወረዳ መኤኒ ጎልዲያን ምምሕዳር ከተማ ባቹማን ልዕሊ 3 ነጥቢ7 ሚሊየን ብር ዝግመት ሓገዝ ገንዘብን ዓይነትን ኣበርኪቶም፡፡

ኣብ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዞባ ቤኒሸኮ ወረዳ ኩራ ፈርዳ ህልውና ሃገር እናረጋገፀ ንዝርከብ ሰራዊት ምክልኻል ልዕሊ 700 ሺሕ ብር ዝግመቱ ናውቲታትን ገንዘብን ሓገዝ ገይሩ፡፡

ከላብዚ ብተወሳኺ ኩለመዳይ ማእኸል ዕዳጋ ደቂ ኣንስትዮ ካብ 61 ደቂ ኣንስትዮ ዝተኣከበ ልዕሊ 7 ሺሕ ብር ሓገዝ ገንዘብ ምብርካቱ ካብ ፌስቡክ ገፅ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.