Fana: At a Speed of Life!

መድረኽ ዘተ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ኣብ ኦስትሪያ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኦስትሪያ ቬና ግደ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ንሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ብዝብል መሪሕ ቃል መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ መድረኽ ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ንምዕዋት፥ ኣባል ሃገራት ኣብ ህልዊ ኩነታት ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ብዕሙቆት ንኽዛተያ ዓሊሙ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝተሰናድአ ዘተ ኢዩ።

ብተወሳኺ ኣብ ጉዳይ ሃገር በቆል ፍልጠትን እናዓበየ ዝርከብ ቴክኖሎጂን ዘለዉ ረብሓታትን ተጓንፎታትን ብምዝታይ ናይ ፖሊሲ ኣንፈታት ንምቕማጥን ድሌት ዓቕሚ ህንፀት ኣባል ሃገራት ብምፍላይ ዝተጠናኸረ ሓገዝ ንምግባርን ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ንዳይሬክተር ጀነራል ጉዳያት ሳይንስን ምርምርን ኣብ ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ፌዴሪኢ ዶክተር ሰለሞን ቢኖርን ሓዊሱ ካብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፣ ኣባላት ሕብረት ኣውሮፓን ካብ 30 ሃገራት ዝዝተወከሉ ዕዱማት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ተረኺቦም።

እቲ መድረኽ፥ ሎሚ መዓልቲ እውን ቀፂሉ ከምዝውዕል ካብ ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.