Fana: At a Speed of Life!

ሕፁያት ኮሚሽነራት ኮሚሽን ሃገራዊ ምይይጥ ዝቐርበሉ ስርዓት ተዘርጊሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕፁያት ኮሚሽነራት ብሄራዊ ኮሚሽን ሃገራዊ ምይይጥ ኢትዮጵያ ዝቐርበሉ ስርዓት ከምዝተዘርገሐ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጣፎ ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ ድማ ምቱቋም ሕፁያት ኮሚሽነራት ዝቕበልን ዝውድብን ኮሚቴ ከምዝተጣየሸ ገሊፆም፡፡

እቲ ኮሚቴ ምጥቋም ሕፁያት ካብ ምቕባል ጀሚሩ ኣብቲ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክሳብ ዝሽወሙሉእ እዋን ዝተፈላለዩ ተግባራት ከምዘሳልጡ እቶም ኣፈ ጉባኤ ኣብሪሆም፡፡

ስለዝኾነ ድማ ኣካቢ እቲ ቤት ፅሕፈት ዶክተር ሄኖክ ስዩምን ካልኦት ክልተ ኣባላትን ከምዝተኻተቱ ገሊፆም፡፡

ኣቀባብላ ምጡቋም ሕፁያት መሳተፊ፣ ግልፂ፣ ተኣማኒን ካብ ኣድልዎ ዝነፅሀን ክኸውን ንምግባር ዝሕግዝ ጉጅለ ኣማኻሪ ተጣይሹ ኢዩ ኢሎም፡፡

እቲ ኣማኻሪ ጉጅለ ብኣፈ ጉባኤ እቲ ባይቶ ዝምራሕ እንትኸውን፥ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን፣ ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ከምኡ እውን ጉባኤ ትካላት ሃይማኖትን ተወከልቲ ጥምረት ሲቪክ ማሕበራትን ብኣባልነት ተኻቲቶምሉ ኢዮም፡፡

መርሃ ግብሪ መውሃቢ ጥቆማን ጥቆማ ዝወሃበሉ ፎርማትን ጋና ዕላዊ እንተይተገበረ ጥቆማታት እናቐረቡ ከምዝኾኑ ዝገለፁ እቶም ኣፈ ጉባኤ፥ እቶም ጥቆማታት ተቐባልነት ከምዘይህልዎም ምግንዛነቦም ካብቲ ባይቶ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋን መቕረቢ፣ ፎርማትን ሓፈሻዊ ኣቀራርባ ስርዓትን ሕፁያት ኮሚሽነራት ብዝምልከት እቶም ኣፈ ጉባኤ ሎሚ መዓልቲ ጋዜጣዊ መግለፂ ክህቡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.