Fana: At a Speed of Life!

122 ቢሊየን ብር ተወሳኺ በጀት ተሰናዲኡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስቴር ገንዘብ ዝተሰናደአ 122 ቢሊየን ብር ተወሳኺ በጀት ናብ ቤት ምኽ ሚኒስትራት ቀሪቡ።

እቲ ተወሳኺ በጀት መሐለዊ ድሕንነት ሃገር፣ ንሰብኣዊ ሓገዝ፣ ብኲናትን ጎንፂን ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት መጣየሺ ከምኡ እውን ንካልኦት ኣድለይቲ ስራሕቲ መንግስቲ መፈፀመ ዝውዕል ኢዩ ተባሂሉ፡፡

እቲ ተወሳኺ በጀት ምድላው ዘድለየሉ ምኽንያት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ኲናት ተወሳኺ ወፃኢ ስለዘድለየ፣ መንግስቲ ብዝእክቦ ኣታዊ ሕዚ ዘሎ ሕቶ ክፍሊት ምምላስ ኣፀጋሚ ብምዃኑ፣ ከምኡ እውን ድሌት ተወሳኺ ወፃ ብምሽግሻግ በጀት ምትእንጋድ ስለዘይከኣል ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ሕቶ ተወሳኺ በጀት ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ልዝብ ተገይሩሉ ምስ ፀደቐ ብቐጥታ ኣብ ስራሕ ከምዝውዕል ካብ ሚኒስቴር ገንዘብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.