Fana: At a Speed of Life!

ህዝቢ ምስ ቫይረስ ኮሮና ተኣሳሲሩ ስግኣት ክሓድሮ ኣይግባእን – ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ህዝቢ ምስ ቫይረስ ኮሮና ተኣሳሲሩ ስግኣት ክሓድሮ ከምዘይግባእ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ አፍሊጡ።

አብ ኣክሱም ካብ ቻይና ንዝመፀ ብጥርጣረ ስክሪን ንክግበር ምጅማሩ እቲ ሓደጋ ንምንካይ ተሓሲቡ ዝግበር ዘሎ እምበር ንህዝቢ ስግኣት ዘሕድር ኩነታት ከምዘየለ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ቢሮ ኣይተ ሙሉጌታ ተስፋይ ተዛሪቦም።

እቲ ስግኣት መሰረት ጌሩ ጉጅለ ሓካይም ናብ አክሱም ከምዝተንቀሳቐሰን እቲ ዉፅኢት ምርመራ ካብ ደቡብ አፍሪካ ክሳብ ዝመፅእ ይፅበ ምህላዉን፥ አብ መዳብዉቲ ከባብታትን መዕርፎ ነፈርት እዉን ጉጀለ ሰብ ሞያታት ጥዕና ክትትል ይገብሩ ምህላውም ሓቢሮም።

ዉፅኢት እቲ ምርመራ ንህዝቢ እዕላዊ ከምዝግበር እዉን ገሊፆም።

ፍልፍል፦ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.