Fana: At a Speed of Life!

መርሃ ግብሪ ምጅማር ዝተዋደደ ስርዓት መመሓደሪ ናይ ፅዕነት ትራንስፖርት ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መርሃ ግብሪ ምጅማር ዝተዋደደ ስርዓት መመሓደሪ ናይ ፅዕነት ትራንስፖርት ኣብ ሆቴል ሸራተን ኣዲስ ይካየድ ኣሎ።

እቲ ስርዓት ዓማዊል ኣብ ዘለዉዎ ቦታ ኮይኖም ሓዱሽ ፍቓድ ምውፃእ፣ ዓመታዊ ፍቓድ ምሕዳስ፣ ሓደሽቲ ተሸከርከርቲ ምምዝጋብ፣ መርሃ ግብሪ ጉዕዞ ምፍላጥ፣ ዶብ ተሳገርቲ መለለዪ መንነታት ንምሃብን ርሕቐትን ፅዕነትን ተሸከርከርቲ ንምፍላጥን ዘኽእል ኢዩ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ሚኒሰስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ ሓዊሱ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ሎጂስቲክስን ዶክተር በለጠ ሞላ፣ ዳይሬክተር መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ዶክተር ሹመቴ ግዛውን ዝተፈላለዩ ዕድመ ዝተገበረሎም ሓለፍቲ ስራሕ ተረኺቦም፡፡

ወይዘሮ ዳግማዊት ኣብቲ መርሃ ግብሪ ከምዝገለፀኦ፥ ወፃእቲን ኣተውቲን ፅዕነታት ኣብ ምጉዕዓዝ ከይዲ ብፅሒት ተሸከርከርቲ ልዕሊ 90 ሚኢታዊ ኢዩ፡፡

ትራንስፖርት ባቡር ድማ ዝተረፈ ብፅሒት ከምዝሕዝ ተዛሪበን፡፡

ካብ እዋን ናብ እዋን እናዓበየ ዝመፅአ ወፃ ንግዲ ዝተሳለጠ ንምግባር ድማ ኣገልግሎት ሎጂስቲክስ ምዕባይ ከምዝግባእ እተን ሚኒስትር ኣብሪሀን።

“ነዚ ድማ ሎሚ መዓልቲ ዕላዊ ዝኾ ዝተዋደደ ስርዓት መመሓደሪ ናይ ፅዕነት ትራንስፖርት ግዘን ወፃን ብምንካይ ዓቢዪ ለውጢ ከምፅእ ዝኽእል ኢዩ” ኢለን።

ብዘመን በየነን ፌቨን ቢሻውን

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.