Fana: At a Speed of Life!

ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ 47 ሺሕን 162 ተጓዓዝቲ ምርመራ መፍለዪ ዋዒ ከምዝተገበረሎም ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ስራሕቲ ምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነበርቲ ቦሌን ኣብ ካልኦት 27 ኬላታት መእተዊን መውፅኢን ዶባት ተጠናኺሩ ይቕፅል ከምዘሎ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ፥ ክሳብ ሕዚ ኣብ 47 ሺሕን 162 ተጓዓዝቲ ምርመራ መፍለዪ ዋዒ ምግባሩ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ኣብተን ኬላታት ዝግበር ምርመራ ምፅራይ ብዝተጠናኸ መልክዑ እናቐፀለ ከምዝኾነ ዝገለፀ እቲ ሚኒስቴር፥ ምርመራ ካብ ውሽጢ ዝተገበረሎም ተጓዓዝቲ እቶም 1 ሺሕን 695 እቲ ቫይረስ ካብ ዝተርኣየለን ሃገራ ዝመፅኡ ምዃኖም እውን ኣብሁ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን በቲ ሕማም ዝተጠርጠሩ ሓደ ቻይናን ሰለስተ ኢትዮጵያውያንን ከምዝተፈለዩን እቲ ሓደ ኣብ ኣኽሱም፣ እቶም ሰለስተ ድማ ኣብ ጨፌ ፈሊኻ መፅንሒ ቦሌ ክትትል እናተገበረሎም ምዃኑን እቲ ሚኒስቴር ኣፍሊጡ።

በቲ ቫይረስ ተጠርጢሮም ኣብ ክትትል ዝርከቡ ውልቀሰባት፥ ንተወሳኺ ምርመራ ደሞም ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ንምልኣኽ ምድላዋት ከምዝተዛዘሙ እውን ተገሊፁ።

ካብዚ ብተወሳኺ ካብ ቻይና ንዝመፅኡ ኩሎም ተጓዓዝቲ ኣብ ኢትጵያ ዝህልዎም ፃንሒት፣ ኣድራሻ፣ ከምኡ እውን ዝተፈላላዩ ሓበሬታታት መዝጊቡ ብመሓዝ ክሳብ 14 መዓልቲታት ዝከታተል ጉጅለ ተጣይሹ እናተኸታተለ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

እዚ ንምዕዋት ድማ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ፣ ሆስፒታላት፣ ታክሲ ማሕበራት፣ ፓርክታት ኢንዱስትሪን ቦታታት ኮንስትራክሽንን ትኹረት ከምዝተገበረሎም ተገሊፁ።

ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ምስ ሚኒስቴር ጥዕናን ካልኦት ኣጋር ትካላትን ብምዃን፥ ዝርገሐ ቫይረስ ኖቬል ኮሮና ንምክልኻል ምድላዋት እናገበረ ከምዝኾነ እቲ ሚኒስቴር ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ብምትሕብባር ውድብ ጥዕና ዓለም፥ ሪኤጀንት መረጋገፂ ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣቱን እዚ ድማ በቲ ቫይረስ ዝተጠቕዑ ተሓከምቲ ብምፍላይን ኣድላዪ ሓገዝ ብምግባርን ኣብ ምቁፅፃር እቲ ለበዳ ሕማም ልዑል ግደ ከምዝፃወት እቲ መግለፂ ኣብሪሁ።

ብተወሳኺ ካብ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ፣ ቢሮ ጥዕና ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ቢሮ ጥዕና ክልል ኦሮሚያ፣ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ፣ ካብ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላት ጥዕና ንዝተውፃእፅኡ ተሳተፍቲ ዝተፈላለዩ ስልጠናታት መዕበዪ ግንዛበ ከምዝተውሃበ ተገሊፁ።

ሎሚ መዓልቲ 200 ንዝኾኑ ኣመራርሓታት ሆስፒታልን ሰብ ሞያታትን ብሚኒስቴር ጥዕና ኣቢሉ መዕበዪ ግንዛበ ስልጠና ከምዝተውሃበ እውን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.