Fana: At a Speed of Life!

ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝዓነዉ ከባብታት መሊስካ ንምህናፅ ክፍጠር ዝኽእል ስእነት ስራሕ ብምትሕብባር ክቕረፍ ይግባእ – ኣይተ ንጉሱ ጥላሁን

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)”ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝዓነዉ ከባብታት መሊስካ ንምህናፅ ክፍጠር ዝኽእል ስእነት ስራሕ ብምትሕብባር ክቕረፍ ይግባእ” ክብሉ ኣይተ ንጉሱ ጥላሁን ተዛሪቦም።

ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተማሓየሸ ስትራቴጂ ልምዓት ኢንተርፕራይዛት ስልጠና ምሃብ ጀሚሩ።

ስእነት ስራሕ ኣብ ኢኮኖሚ፣ ማሕበራውን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ፅዕንቶ ስነ-ኣእምሮን ዘስዕብ ብምዃኑ÷ እቲ ፀገም ንምቅላል መርሃ ግብሪ ስትራቴጂ ስልጠናታት፣ ደምቢ፣ መምርሒን ካልኦትን መስርሕ ድጋፍ መሰረት ገይሮም ብምስራሕ ሕቶ ሚሊዮናት ምምላስ ንክከኣል ዓብይ ሓላፊነት ወሲዶም ክሰርሑ ከምዝግባእ ሚኒስትር ዴኤታ ስራሕን ክእለትን ኣይተ ንጉሱ ጥላሁን ገሊፆም።

ኣብ ክልላት ኣማሓራን ዓፋርን ኣብ ልዕሊ ኢንተረፕራይዝ ልዑል ዕንወት ምብፅሑ ኣይተ ንጉሱ ሓቢሮም።

እዘን ከባብታት ብርብርብ መሊስካ ምህናፅን ምፅጋንን እንተዘይተኻኢሉ ኣብተን ክልላት ስእነት ስራሕ ከምዝውስኽን ዓብይ ሕማም እቲ ኢኮኖሚ ኮይኑ ከምዝቕፅልን ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.