Fana: At a Speed of Life!

ኩሉ ኢትዮጵያዊ እቲ ወራሪ ሓይሊ ንምምካት ዘርኣዮ ጅግንነት ኣብ መሊስኻ ህንፀት ከምዝደግሞ ይኣምን – ኣይተ ክርስትያን ታደለ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)”ኩሉ ኢትዮጵያዊ ነቲ ወራሪ ሓይሊ ንምምካት ዘርኣዮ ጅግንነት ኣብ መሊስኻ ህንፀት ከምዝደግሞ ይኣምን እየ” ክብሉ ኣይተ ክርስትያን ታደለ ተዛሪቦም።

መንግስቲ ከም መንግስቲ ካብ ዝሰርሖም ስራሕቲ መሊስኻ ምጥያሽን ህንፀትን ብተወሳኺ፤ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ነዛ ሃገር ከፍርሱ ንዝመፁ እኩይ ሓይልታት ዓወት ክስእኑ ምግባር ዘርኣዮ ጅግንነትን ሓድነትን በቲ ወራሪ ሓይሊ ዝተጎድኡ ወገናት ብምሕጋዝ ከምዝድገም ፅኑዕ እምነት ከምዘለዎም ኣባል በይቶ ወከልቲ ህዝብን ሓላፊ ጉዳያት ፖለቲካ ፓርቲ ኣብንን ኣይተ ክርስትያን ታደለ ገሊፆም።

ኣይተ ክርስትያን ኣብ ቴሌቪዥን ፋና ፕሮግራም ስለ ኢትዮጵያ ወፍሪ ንህብረ ብሄራዊ ሓድነት ሃገር ብዝብል ኣብ ዝገበሩዎ ጻንሒት÷ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ መላእ እዛ ሃገርን ህዝባን ዝብፀሖ ዕንወት ካብ ‘ሀ’ ክሳብ ‘ፐ’ ዝዝርዘር ከምዘይኮነን እቲ ጉጅለ ኢትዮጵያ ምፍራስን ንኢትዮጵያውያን ምውራድን ሕልሙ ገይሩ ከምዝተልዓለን ኣብሪሆም።

“ብመሰረት እዚ ድማ ንኢትዮጵያ ቅኑዕ ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ዘለዎም ህዝብታት ኣምሓራን ዓፋርን ዘብፅሖ ግፍዕን በደልን ብቐሊሉ ዝግለፅ ኣይኮነን” ኢሎም።

እቲ ጉጅለ  ህዝቢ ኣምሓራ ካብ መፈለምትኡ ጀሚሩ ፀላኢ ገይሩ ዝተልዓለን ነቲ ህዝቢ ሕልንኡ ዕረፍቲ ንከይረክብ ካብ ምግባርን ብተወሳኺ፤ “ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምሓራ ሒሳብ ከወራርድ እየ” ብዝብል ስልሒት ተለዓዒሉ ብርክት ዝበሉ ጃምላዊ ጨፍጫፋት፣ ሰብኣዊ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራውን ስነ- ኣእምሮኣዊን ዕንወታት ከምዘብፀሐ ገሊፆም።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.