Fana: At a Speed of Life!

ሃገራዊ ፃውዒት ተቐቢሎም እናኣተዉ ዝርከቡ ዳያስፖራታት ቅልጡፍ ኣገልግሎት ይወሃቦም ኣሎ – ኮሚሽን ጉምሩኽ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊ ፃውዒት ተቐቢሎም እናኣተዉ ዝርከቡ ዳያስፖራታት ቅልጡፍ ኣገልግሎት እናተውሃበ ምዃኑ ኮሚሽን ጉምሩኽ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ኮሚሽን ምክትል መካየዲ ስራሕ ጉዳያት ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ጉምሩኽ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣይተ ዘራኤል ለኣ፥ ናብ ኢትዮጵያ እናኣተዉ ዝርከቡ መገደኛታት ዝተፈለየ መውሃቢ ኣገልግሎት ጉምሩኽ ብምስንዳእ ቅልጡፍ ኣገልግሎት እናሃበ ምዃኑ ገሊፆም፡፡

ሓገዝ ናውቲን ሕክምናን ካልኦት ሓገዝን ሒዞም ዝመፅኡ መገደኛታት እውን ዘምፅኡዎም ሓገዛት ብቐሊሉ ንምርካብ ንኽሕግዞም ምስ ሚኒስቴር ጥዕናን ካልኦት መሓዙት ኣካላትን ብምትሕብባር መኽዚን ብምስንዳእ ኣገልግሎት እናተውሃበ ይርከብ ኢሎም፡፡

ኣብቲ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት መተሓባበሪ ዓለም ለኸ ጉጅለ መገደኛታት ኣይተ ዚያድ ኑረታ ብግደኦም፥ ኣጋይሽ ብግቡእ ኩነታት ንምትእንጋድ እኹል ቅድመ ምድላው ብምግባርን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምውዳድ ከምኡ እውን ዝተፈላለያ ኮሚቴታት ብምውዳብ ናይ 24 ሰዓት ቅልጡፍ ኣገልግሎት እናተውሃበ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመፅኡ ዳያስፖራታት ብዝተገበረሎም ፅቡቕ ኣቀባብላን ቅልጡፍ ኣገልግሎት ጉምሩኽን ከምዝተሓጎሱ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር እቶት ዝረኸናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.