Fana: At a Speed of Life!

ሓደሓደ ምዕራባውያን መራኸበቲ ሓፋሽ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዝፅብፅቡሉ ኩነታት ዝተዛበዐ ኢዩ – ጣሊያናዊት ጋዜጠኛ ፍራንቼስካ ሮቺን

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጣሊያናዊት ጋዜጠኛ ፍራንቼስካ ሮቺን ሓደሓደ ምዕራባውያን መራኸበቲ ሓፋሽ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዝፅብፅቡሉ ኩነታት ዝተዛበዐን ንሓደ ወገን ዝወገነን ከምዝኾነ ገሊፃ።

ጋዜጠኛ ፍራንቼስካ ሮቺን ምስ ፋና ኣብ ዝነበራ ፃንሒት፥ ፀብፀብቲ ምዕራባውያን መራኸበቲ ሓፋሽ ንግብረ ራዕዲ ህወሓት ዘሻረወ ኣፀባፅ ከምዝኽተሉን ከም ጋዜጠኛ ናይ ኩሎም ወገናት ቃል ዘካተተን ብትኽክል ኣብታ ሃገር ዘሎ ሓቂ ዘርኢን ገይሮም ክሰርሑ ከምዝነበሮም ገሊፃ፡፡

እታ ጋዜጠኛ ሲኤን ኤን ኣዲስ ኣበባ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ህወሓት ክትወድቕ ከምዝኾነት ምፅብፃቡ ብመንፅር ዝረአ ነባራዊ ኩነታት እቲ ጣቢያ ኢሉ እውን ምዕራባውያን መራኸብቲ ሓፋሽ ኣድልዎን ናይ ሕሶት ዜና ዘቃለዐ ኩነታት ከምዝነበረ ኣብሪሃ።

እቶም ምዕራባውያን ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዘውፅኡዎ ዝተሰሓሓተ ሓበሬታን ንሓደ ወገን ዘዘምበለ ከምዝኾነን ብምሕባር መንግስቲ ዝህቦም ሓበሬታ ካብቲ ዝተብሃለ መልእኽ ወፃእ ኣዛቢዖም ብምትንታን ከምዘቕርቡን ተዛሪባ፡፡

ማሕበረሰብ ዓለም እውን ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ በቶም መራኸብቲ ሓፋሽ እንትረክብ ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ምቕባል ብኸመይ ኢሉ ምሕታትን ትኽክለኛ ሓበሬታ ንምርካብ ክፍትንን ይግባእ ኢላ እታ ጣሊያናዊት ጋዜጠኛ፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.