Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ዘለዋ ዕቋርን ልቓሕን ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ብምጥንኻር ቁጠባ ትግራይ ንምዕባይ ከምዝሰርሓ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ትግራይ ዘለዋ ዕቋርን ልቓሕን ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ብምጥንኻርን ብምውዳብን ቁጠባ ትግራይ ንምዕባይ ከምዝሰርሓ ተሓቢሩ።

ክፍሊ ትምህርቲ መፅናዕቲ ዩኒቨርስቲ መቐለ፥ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ምስ መሓዙት ዕቋርን ልቓሕን ሓላፍተን ዝተወሰነ ሕብረት ስራሕ ማማሕበራን ኣብ ዕቋርን ልቓሕን ዘተኮረ መዕበዪ ዓቅሚ መድረኸ ዘተ ኣካይዱ።

ኣብቲ መድረኸ ካብ ኣባላት ዕቋርን ልቓሕን መሓዙት ሓዊሱ ካብ ዝተፈላለዩ ሕብረት ስራሕ ማሕበራትን ክልልን ዝተረኸቡ እንትኾኑ ኣብ ታሕተዋይ መነባብሮ ዝርከብ ማሕበረሰብ ካብ ዕቋር ተረባሒ ንምግባር ተኸታታሊ መዕበዪ ዓቅሚ ስልጠና ከም ዘድሊ ተሓቢሩ።

ኣቦ ወንበር ዕቋርን ልቓሕን መሓዙት ኣይተ ኣብርሃ ገብረመድህን ከምዝበልዎ፥ ማሕበሮም ኣብ ማሕበራውን ልምዓታውን ዛዕባታት ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ካብ እትገብሮ ስራሕቲ ብተወሳኺ ሕብረተሰብ ብቑጠባ ተረባሒ ንክኸውን ምስ ካልኦት ዕቋርን ልቓሕን ሕብረት ስራሕ ማሕበረት ሓቢራ ክትሰርሕ እያ።

ቁጠባ ትግራይ ውሑስ ንምግባር ሓቢርና ክንሰርሕ ኢና ዝበሉና ድማ ካብ ማይክሮ ፋይናንስ ምድረ ግእዝ ተወኪሎም ኣብቲ መድረኸ ዘተ ዝተረኸቡ ኣይተ ኣብርሃ ገብረዋህድ እዮም።

ተወካሊት ምስፍሕፋሕ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ክልል ትግራይ ወይዘሮ ሃፀይነሽ ኣብርሃብግደአን፥ ብብርኪ ክልል ሕብረት ስራሕ ባንኪ ንምምስራት ከም ክልል ስትራቴጂክ ትልሚ ተታሒዙ ይስራሕ ከምዘሎ ተዛሪበን።

ብብርኪ ክልል ሕብረት ስራሕ ንምምስራት ብሄራዊ ባንኪ ፍቓድ ኣብ ምሃብ እንቅፋት ዋላ’ኳ እንተሃለወ ከም ክልል ግና ምድላዋት ከምዝተገበሩ ወይዘሮ ሃፀይነሽ ገሊፀን።

እዚ ከምዚ እናሃለወ ኣብ ትግራይ ዘለዋ ዕቋርን ልቓሕን ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ብምጥንኻርን ብምውዳብን ብፌደሬሽን ንምምስራት ከም ክልል ይስራሕ ኣሎ ኢለን።

ብመለስ ኣለማት

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.