Fana: At a Speed of Life!

ኣባላት ካቢኔ ክልል ዓፋር ዝተውሃቦም ኣንፈትን ልኡኽቶን ኣፈፃፅምኡ ገምጊሞም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባላት ካቢኔ ክልል ዓፋር ዝተውሃቦም ኣንፈትን ልኡኽቶን ኣፈፃፅምኡ ሎሚ መዓልቲ ገምጊሞም።

እቲ መድረኽ ቅድሚ ሰሙናት ኣብ ከተማ ሰመራ ብዝተኸየደ መድረኽ ላዕለዎትን ማእኸለዎትን ኣመራርሓ ዝተቐመጡ ኣንፈታትን ዝተውሃቡ ልኡኻትን ኣፈፃፅመኦም ኣብ ምግምጋም ዘድሃበ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ካብ ኲናት ናብ ጎደና ሰላም ብዝብል ርእሲ ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ዘተ፥ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኣወል ኣርባ ተረኺቦም፡፡

ኣብቲ መድረኽ ኣፈጻፅማ ትልሚ ስራሕቲ ፓርቲ፣ ምፍላይ ኣመራርሓ፣ በቲ ኲናት ዝበፅ ዕንወትን ክሳራን ከምኡ እውን ምምልማል ምክልኻል ዝምልከት ተዋሂቡ ዝነበረ ልኡኽቶን ኣንፈትን ብዕምቆት ተገምጊሙ።

ኣብ ሓሙሽቲኦም ዛዕባታት ኣመራርሓታት፣ ኣባላት፣ ሙሁራን፣ መናእሰይ፣ ደቂ ኣንስትዮ፣ ኣቦታት ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓዲን ከምኡ እውን ካፋላት ማሕበረሰብ ዝነበሮም ተሳትፎ እንታይ ይመስል ከምዝነበረ ከምዝተገምገመ ካብ ፓርቲ ብልፅግና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብቶም ዛዕባታት ዝነበሩ ጥንኩራትን ድኹማትን ጎድኒታት ብምፍላይ ዝተሰርሐ ስራሕ ውፅኢታዊን ዕዉትን ከምዘነበረ ተመልኪቱ፡፡

ኣብ ቀፃሊ ሃገራዊን ክልላዊን ኩነታትን ካልኦት ኣንፈታትን ውፅአታዊ ብዝኾነ መልክዑ ምትግባር ከምዝግባእ ኣንፈት ተቐሚጡ።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.