Fana: At a Speed of Life!

እታ ሃገር ዘለዉዋ ዓበይቲ ማሕለኻታት ንምፍታሕ መካተቲ ሃገራዊ ምይይጥ ኣድላዪ ኢዩ – ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ እታ ሃገር ዘለዉዋ ዓበይቲ ማሕለኻታት ንምፍታሕ መካተቲ ሃገራዊ ምይይጥ ኣድላዪ ከምዝኾ ሓላፊ ዋና ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅና ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።

ኣይተ ኣደም ሃገራዊ ምኽክር ኣድላዪ ዝገብሩ ብዙሓት ማሕለኻታት ኣለዉ ኢሎም።

ኣብ ዋና ዋና ሃገራዊ ጉዳያ ስምምዕ የለን ዝበሉ እቶም ሓላፊ፥ ኣብ ሕገ-መንግስቲ፣ ሰንደቕ ዓላማ፣ ህንፀት ሃገርን ካልኦት መሰረታዊ ጉዳያትን ስምምዕ የለን ኢሎም።

ሃገር ክሳብ ሕዚ ካብ ጎንፂን ኲናትን ምውፃ ከምዘይከኣለትን ከም ሃገር ዴሞክራሲ ብመንፅር ምህናፅን ምፅናዕን ዴሞክራሲ ሰፊሕ ክፍተት ከምዘሎ ኣብሪሆም።

ሓበራዊ መንነትን ህብረ ብሄራዊ ሓድነትን ከም ሃገር ምርግጋፅ ከምዘይከኣለ እውን ኢዮም ኣይተ ኣደም ዝገለፁ።

እዞም ዓበይቲ ማሕለኻታት ንምፍታሕ ሃገራዊ ልዝብ ኣዚዩ ኣድላዪ ኢዩ ተባሂሉ ከምዝእመን ገሊፆም።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.