Fana: At a Speed of Life!

ፍቓድን ምዝገባ ንግድን ኣገልግሎት መርበብ ሓበሬታ ንምምሕያሽ ምስ ኢንተርኔት ካፌታት ንምስራሕ ምድላው እናተገበ ይርከብ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ከይዲ ኣወሃህባ ፍቓድን ምዝገባ ንግድን ኣገልግሎት መርበብ ሓበሬታ ተበፃሕነት፣ ቅልጣፈን ቅልጣፈ ተገልጋልን ንምምሕያሽ ኣብ መደብ ስራሕ ንግዲ ኢንተርኔት ካፌ ምስ ዝተዋፈሩ ትካላት ሓቢርካ ንምስራሕ ምድላዋት ምግባሩ ሚኒስተር ንግድን ቁጠባዊ ምትእስሳርን ኣፍሊጡ፡፡

ኣወሃህባ ግልጋሎት ዝሐሸ ብምግባር ዓማዊል ኣብ ዝኾነ ቦታ ኣገልግሎት ንክረኽቡ ኣማራፅታት ንምስፋሕ ኣድላዪ ምዃኑ ዳይሬክተር ቴክኖሎጂ ኢንፎርሜሽንን ኮሙኒኬሽንን እቲ ሚኒስቴር ፀጋው በለጠ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ኣገልግሎት ግዘን ገንዘብን ተጠቀምቲ ብምቑጣብ ልፍዓት ኣብ ምትራፍ ዝፃወቶ እጃም ዋላኳ ልዑል እንተኾነ፤ ከም ሃገር ልዕሊ 2 ነጥቢ 1 ሚሊየን ኣብ ዘፈር ንግዲ ካብ ሞንጎ ዝተዋፈሩ ተገልገልቲ እቲ ዓውዲ ካብ ሓደ ሚኢታዊ ዘይበልፁ ተጠቀምቲ እቲ ኣገልግሎት ከምዝኾኑ ጠቒሶም፡፡

ኣብ ቤት ፅሕፈት እቲ ሚኒስቴር ኣማኻሪ እቲ ዓውዲ ግዛው ተክሌ ብግደኦም፤ ፍቓድን ምዝገባ ንግድን ኣገልግሎት መርበብ ሓበሬታ ንኹሉ ዘማእኸለን ተበፃሓይን ንምግባር ምስ ሰብ ዋና ኢንተርኔት ካፌ ሓቢርካ ምስራሕ ወሳኒ እዩ ኢሎም፡፡

ድሕሪ ሒደት መዓልትታ እቲ ስርዓትዝምረሐሉ ሕጋውን ተቐባልነት ዘለዎን ናይ ስራሕ ውዕሊ ዘድሊ ብምዃኑ÷ ዝተዳለወ ሰነድ ውዕሊ ብሰብ ሞያ ሕጊ ርኢቶ ምስተውሃቦ ሰብ ዋና ኢንተርኔት ካፌ ፍቓድን ምዝገባ ንግድን ኣገልግሎት መርበብ ሓበሬታ ንክወሃቡ ዘኽእል ናይ ሰምምዕነት ሰነድ ምስ ቤት ፅሕፈት እቲ ሚኒስቴር ብምፍርራም ናብ ስራሕ ክእቶ እዩ ተባሂሉ፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.