Fana: At a Speed of Life!

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2022 ኢኮኖሚ ዓለም ካብ 100 ትሪሊዮን ዶላር ከምዝሓልፍ መፅናዕቲ ኣመልኪቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2022 ኢኮኖሚ ዓለም ካብ 100 ትሪሊዮን ዶላር ኣሜሪካ ከምዝሓልፍ ማእኸል መፅናዕቲ ቢዝነስን ኢኮኖሚክስን ብሪታኒያ ኣመልኪቱ።

ኣብ ውፅኢት መፅናዕቲ እቲ ማእኸል ዝተቐመጠ ትምበያ ሊግ ሰደቓ ኢኮኖሚ ዓለም 2022 ምስ ግምት ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ ዝስማዕማዕ እንትኸውን፥ ሓፈሻዊ ፍርያት ዓለም ብዶላርን ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዘሎ ዋጋ ካብ 100 ትሪሊዮን ዶላር ከምዝሓልፍ ተንቢዩ፡፡

ኣብ 2021 ዝተመዝገበ ዕቤት ኢኮኖሚ ዓለም 5 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ዝነበረ እንትኸውን፥ ቅድሚ ሓደ ዓመት ካብ ዝነበረ 5 ነጥቢ 3 ሚኢታዊ ንኡሽተይ ሓለፋ ከምዘለዎ ኣብቲ ፀብፃብ ተፀሪሑ።

እቲ ትካል ኣብ ፀብፃቡ ከምዝገለፆ፥ ኣብ መፋርቕ ካልኣይ መንፈቕ ዓመት 2021 ናይ ሸቐጣት፣ ሕፅረት ዘይተወደኡ ኣቑሑትን ፀገም ምጉዕዓዝን ዝቕባበ ዋጋ ንኅፍጠር ገይሩ ኢዩ፡፡

ምክትል መካየዲ ስራሕ እቲ ማእኸል ዳግላስ ማክዊሊያምስ፥ ቀንዲ ትኹረት 2020ታት ኢኮኖሚ ዓለም ብኸመይ ዝቕባበ ዋግ ይፃወር ዝብል ከምዝኸውን ገሊፆም፡፡

ብተነፃፃሪ ኩነታት ዝተመጠነ መስተኻኸሊ ብምግባር ዝቕባበ ዋጋ ምፅዋር ከምዝከኣል ብምሕባር፥ እዚ ምግባር እንተዘይተኻኢሉ ግን ኣብ 2023 ወይ እውን ኣብ 2024 ኢኮኖሚ ዓለም ንታሕቲ ከንቆልቁል ይኽእል ኢዩ ምባሎም ሲጂቲኤን ፀብፂቡ፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.