Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ህወሓ ኣብ ልዕ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ዘብፀሖ ጉድኣት ስነ-ኣእምሮ ንምሕካም ይስራሕ ኣሎ – ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕራዊ ጉዳይን

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓ ኣብ ልዕ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ዘብፀሖ ጉድኣት ስነ-ኣእምሮ ንምሕካም እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስትር ዲኤታ ደቂ ኣንስትዮን ማሕራዊ ጉዳይን ወይዘሮ ሙና ኣሕመድ ተዛሪበን።

እተን ሚኒስት ዲኤታ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበረን ፃንሒት ከምዝሓረኦ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ካብ ብህሊን እምነትን ኢትዮጵያውያን ብዝወፅአ መልክዑ ብወራር ኣብ ዝሓዞም ከባቢታት ኣብ ልዕ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ገበን ኣገዲድካ ምድፋር፣ ምድብዳብን ቅትለትን ፈፂሙ ኢዩ፡፡

ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ዝግልገሉሉ ናውቲ በቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ከምዝዓነዉ፤ ህፃናት ካብ መረበቶም ምምዝባሎም ስዒቡ ዝተፈላለዩ ምንግልታዓት ከምዝበፅም፣ በዚ ድማ እቶም ክፋላት ማሕበረሰብ ንዝኸፍአ ስነ-ልቦናዊ ጉድኣት ከምዝተቓልዑ እተን ሚኒስትር ዲኤታ ገሊፀን፡፡

ስለዝኾነ ድማ ዝበፅም ስነ-ኣእምሮኣዊ ጉድኣት ንምክልኻል እቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ ብሰብ ሞያ ዝተሓገዘ ዝተፈላለዩ ሓገዛት እናገበረ ከምዝኾ ተዛሪበን፡፡

ብፍላይ ካብ ወራር ናፃ ኣብ ከባቢታት ዝወፅኡ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን መንግስቲ ዝዓነዉ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት እናጀመረ ከምዝኾነ ዝገለፃ ወይዘሮ ሙና፥ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ተሓሳቢ ብዝገበረ መልክዑ ከም ጥዕናን ቤት ትምህርቲን ዝበሉ መሰረተ ልምዓታት ቅድሚት ተዋሂቡዎም እናተሰርሑ ከምዝኾኑ ኣመልኪተን፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ንፀገም ዝተቓልዑ 4 ሚሊየን ሰባት ምህላዎምን ካብ ሞንጎ እዞም ካፋላት ማሕረሰብ ደቂ ኣንስትዮ፣ ህፃናትን ሰገናትን ልዑል ቁፅሪ ከምዝሕዙ እተን ሚኒስትር ደኤታ ተዛሪበን፡፡

ቀፃሊ ዕፃ ሃገር ዝውሰን በዞም ክፋካላት ማሕበረሰብ ስለዝኾነ፥ ብምኽንያ እቲ ኲናት ጉድኣት ዝበፅም ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ንምጥያሽን ሓገዝ ስነ-ኣእምሮ ንምግባርን ኩሎም ኢትዮጵያውያን ርብርብ ንኽገብሩ ፀዊዐን፡፡

ብሚኪያስ ኣየለ

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.