Fana: At a Speed of Life!

ብጎንፂን ብውግእን ጉድኣት ንዝበፅሖም ዜጋታት ዳግም ንምጥያሽ ተወሳኺ በጀት 5 ቢሊዮን ብር ተመዲቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብቲ ጎንፂን ውግእን ጉድኣት ዝበፅሖም ዜጋታት ዳግም ንምጥያሽ ዝውዕል በጀት 5 ቢሊዮን ብር ከምዝተመደበ ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ገሊፆም።

ብምንስቴር ገንዘብ ዝምራሕ ስራሕቲ ሴክሬታሪያት መሊስካ ምጥያሽ ኣፈጻሚ ኮሚቴ÷ 15 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም ኣብ መአከቢ ኣዳራሽ ሚኒስቴር ገንዘብ ፈላማይ ምይይጥ ኣካይዱ፡፡

ኣብቲ እዋን ኣይተ ኣሕመድ ከምዝገለጹዎ÷ ሚኒስቴር ገንዘብ ዘዳለዎ ተወሳኺ 5 ቢሊዮን ብር በጀት ናብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ከምዝቐረበን እቲ ተወሳኺ በጀት ብባይቶ ተወከልቲ ምስፀደቐ ናብ ስራሕ ከምዝኣትውን ኣመላኺቶም፡፡

መንግስቲ ካብ ዝመደቦ መበገሲ በጀት ብተወሳኺ ምስ ልምዓት መዳርግቱ ብፍላይ ድማ ምስ ባንኪ ኣለም ዳግም ምጥያሽ ዝለዓለ ሓገዝ ትጽቢት ከምዝግበር እቶም ሚንስትር ገሊፆም፡፡

እቲ መርሃ ግብሪ ብመንግስቲ ዝምራሕ፤ ዝተዋደደ፤ በቢብርኩ ብፕሮግራም ኣብ ትግበራ ዝውዕል፤ ተሓታትነት ዘለዎን ዘላቒ ፍታሕ ንኸምፅእ ዝሰርሕን ከምዝኾነ እውን ወሲኾም ገሊፆም።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.