Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 95 ብር ሚሊየን ግምት ዋጋ ዘለዎም ናውትታት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ 95 ነጥቢ 8 ሚሊየን ብር ግምት ዋጋ ዘለዎም ናይ ኣተውትን ወፃእትን ናውትታት ኮንትሮባንድ ምሓዙ ኮሚሽን ጉምሩክ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዝተገበረ ክትትል ብር 43 ነጥቢ 8 ሚሊየን ኣተውቲ ናውትታት ኮንትሮባንድን ልዕሊ ብር 51 ነጥቢ 9 ሚሊየን ዘውፅኡ ድማ ወፃእቲ ናውትታት ኮንትሮባንድ ኣብ ዝተፈላለዩ ጨንፈር ኣብያተ ፅሕፈት ከምዝተትሓዙ ኮሚሽን ጉምሩክ ገሊፁ።

ኮንትሮባንድ ኣተውቲ ብምቁፅፃር ቀዳማይ ቦታ ዝሓዛ ጨንፈር ኣብያተ ፅሕፈት ጅግጅጋ፣ ድሬዳዋን ሃዋሳን እንትኾና÷ ብቕደም ስዓበን ድማ ልዕሊ ብር 13 ነጥቢ 9 ሚሊየን፣ 11 ነጥቢ 8 ሚሊየንን ከምኡ እውን 6 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዘውፅኡ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ሒዘን እየን እዩ ተባሂሉ።

ኣቑሑት ኮንትሮባድ ብሰራሕተኛታት ኮሚሽን ጉምሩክ፣ ብፖሊስ ፌደራል፣ ብኣባላት ፖሊስን ማሕበረሰብ እታ ክልልን ብተፍትሽ፣ ብበረራን ብጥቆማን ዝተትሓዙ ምዃኖም ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

ብተወሳኺ ኮንትሮባንድ ከዘዋውሩ ዝተረኸቡ ክልተ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም እዮም ተባሂሉ።

ካብ መንጎ እቶም ዝተትሓዙ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ወርቂ፣ ክዳውንቲ፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ ቡን፣ መድሓኒት፣ መጋየፅታትን መሳርሕታት ኲናትን፣ ጫት፣ መዐወኒ ሓሽሽን ገንዘብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ይርከቡዎም።

ንግዲ ኮንትሮባንድን ዘይሕጋውን ሜላ ኣፈፃፅማ ተለዋጢ ብምዃኑ እቲ ተግባር ደው ንምባልን ኣብ ኢኮኖሚ ሃገር ዘሕድሮ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ንምክልኻል ኮሚሽን ጉምሩክ በይኑ ዝገብሮ ምንቅስቓስ እኹል ብዘይምዃኑ፤ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላትን ሕብረተሰብን ናይ ባዕሎም ግደ ንክዋጽኡ ኮሚሽን ጉምሩክ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.