Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ምስራዝ ኢትዮጵያ ካብ ተረባሕነት ኣጎዋ ዳግም ንኽተፅነዖ ኢትዮጵያ ሓቲታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ምስራዝ ኢትዮጵያ ካብ ተረባሕነት ኣጎዋ ዳግም ንኽተፅነዖ ኢትዮጵያ ሓቲታ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፥ ኢትዮጵያ ካብ ማዕቐፍ ተረባሕነት ኣጎዋ ንኽትወፅእ ብክታሞም ምፅቖም ይፍለጥ።

ነዚ ስዒቡ ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ብውሳነ ፕሬዚዳንት ጆ ባይደን ምሕዛኑ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዝጀመረ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ሪፎርም ንምጥንኻርን ሰላምን ምርግጋእን ኢትዪጵያ ንምርግጋፅ እናተንቀሳቓሰ ምዃኑ እቲ መግለፂ ኣመልኪቱ፡፡

ኣሜሪካ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝፀንሐ ጥንኩር ርክብ ብምርኣይ ናይተን ሃገራ ሓበራዊ ተረባሕነት ዘረጋግፅ ስምምዕነት ኣጎዋ ናብ ንቡሩ ንኽትመልሶ መንግስቲ ሓቲቱ፡፡

ምስራዝ ኢትዮጵያ ካብ ተረባሕነት ኣጎዋ፥ እታ ሃገር ኣብ ሰብኣዊ መሰል እናሰርሐቶ ትርከብ ስራሕ ምንእኣስን ንደሓር ዝጎትትን ከምዝኸነ እውን ኣብቲ መግለፂ ተመልኪቱ፡፡

ኣብቲ መግለፂ ኢትዮጵያ ካብ ተረባሕነት ኣጎዋ ምስራዛ ኣብታ ሃገር ምስ ዝተፈጠረ እዋናዊ ኩነታት ምንም ርክብ ዘይብሎም ብዙሓት ንፁሃን ዜጋታት ህይወቶም ዝጎድእ ከምዝኾ ተሓቢሩ፡፡

ስለዝኾነ ድማ ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ካብ ተረባሕነት ኣጎዋ ምእጋዳ ዳግም ንኽተፅነዖ ኣብቲ መግለፂ ተሓቲቱ።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.