Fana: At a Speed of Life!

ካብ ዓፋርን ኣምሓራን ተቐጥቂጡ ዝወፅአ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ናይ ሕነ ስጉምቲ ንምውሳድ ኣብ ዓፋር ኣብዓላ ንፁሃን ዜጋታት ቀቲሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ካብ ዓፋርን ኣምሓራን ተቐጥቂጡ ዝወፅአ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ናይ ሕነ ስጉምቲ ንምውሳድ ኣብ ዓፋር ኣብዓላ ብዝኸፈቶ ሓዱሽ ግምባር ንፁሃን ዜጋታት ቀቲሉ።

ነዚ ስዒቡ ድማ መንግስቲ እቲ ክልል መግለፂ ኣውፂኡ፡፡

ኣብቲ መግለፂ ድማ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ሒዙዎም ካብ ዝነበሩከባቢታት ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ስዕረት ተጎልቢቡ እንትወፅእ ስዕረቱ ንምሽፋን ኣብ ክልል ዓፋር ዞባ ኪልበቲ ረሱ ወረዳ ኣብዓላ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ከቢድ መሳርሒ ብምትኳስ እኩይ ተግባሩ ዳግም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዓፋር ኣርኢዩ ኢዩ ኢሉ።

እቲ ጁንታ ብተደጋጋሚ እናተኮሶ ብዘሎ ከቢድ መሳርሒ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ኣረጋውያንን ንሞት፣ ጉድኣት ኣካልን ስደትን ዳሪጉ ኢዩ፤ በዚ ድማ እቲ ጉጅለ ቀንዲ ፀላኢ ህዝቢ ዓፋር ምዃኑ ዳግም ኣረጋጊፁ ኢዩ።

እቲ ጉጅለ ደላዪ ሰላም ብምሳል ብሚዲያ ከምዘመሓላለፎ ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ለቒቐ ኢሉ የሓሱ እምበር ኣብ ክልል ዓፋር ብወገን ዞባ ኪልበቲ ረሱ ሓዱሽ ግምባር ብምኽፋት ጭፍጨፍኡ ቀፂሉ ኣሎ።

ንህዝቢ ዓለም ብምትላል ፕሮፓጋንዳ ይንዛሕ እምበር ክሳብ ሕዚ ኣብ ዝወረሮም ከባቢታት ካብ ዝፈፀሞ እኩይ ተግባር ብዝበኣሰ መልክዑ ንከተማ ኣብዓላ ብመድፍዕ ብምድብዳብ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰባት ብዘስካሕኽሕ ኩነታት ንኽጠፍእን ኣገልግሎት መውሃቢ ቦታታት ዕንወት ከምዘብፀሐን እቲ መግለፂ ኣብሪሁ።

ሕዚ እቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዳግም ብወገን ኣብዓላ ብዝኸፈቶ ኲናት ናይ መሬት ድሮናት ግቡእ ምላሽ ከምዝህቡዎን ኢትዮጵያ እነተዘየፍረስኩ ሞይተ ይርከብ ዝብል ፈኸርኡን ንኽዕቀብ ከምዝግባእ መንግስቲ እቲ ክልል ኣብ ዘውጸኦ መግለፂ ኣገንዚቡ፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.