Fana: At a Speed of Life!

 “ውሳነታትና ብስምዒት ዝውሰኑ ዘይኮኑስ ዘላቒ ረብሓ ዘገናዘቡ ኢዮም!” – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ሰራዊት ምክልኻል ሕዚ ኣብ ዝሓዞም ከባቢታት ንኽፀንሕ ዝወሰኖ ውሳነ  ብስምዒት ዘይኮኑስ ዘምፀኦ ዘላቒ ረብሓ ኣብ ግምት ዘእተወ ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ትማሊ ኣማሲዮም ኣብ ዘውፅኡዎ መግለፂ፥ኣብ ወፍሪ ንህብረ ብሄራዊ ሓድነት ዝተጀመረ ምጥቃዕ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ካብ ክልልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብምውፃእ ቀዳማይ ሽቶ ከምዘዐወተ ኣፍሊጦም።

መንግስቲ እቲ ሰራዊት ምክልኻል ሕዚ ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ንኽፀንሕ ትእዛዝ ከምዝሃበ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ እቲ ውሳነ ብስምዒት ዝተወሰነ ከምዘይኮነን ከምፀኦ ዘላቒ ረብሓ ኣብ ግምት ብምእታው ከምዝኾነን ኣገንዚቦም።

ሙሉእ ትሕዝቶ መግለፂ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፦

“ውሳነታትና ብስምዒት ዝውሰኑ ዘይኮኑስ ዘላቒ ረብሓ ዘገናዘቡ ኢዮም!” – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ

ኣብ ወፍሪ ንህብረ ብሄራዊ ሓድነት ዝተጀመረ ምጥቃዕ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ካብ ክልልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብምውፃእ ቀዳማይ ሽቶ ተዓዊቱ ኢዩ። መንግስቲ ሰራዊት ምክልኻል ሕዚ ኣብ ዝሓዞም ከባቢታት ንኽፀንሕ ዝወሰኖ ውሳነ  ብስምዒት ዘይኮኑስ ዘምፀኦ ዘላቒ ረብሓ ኣብ ግምት ዘእተወ ኢዩ። ኢትዮጵያን ብዘላቕነት ተዓዋቲት ዝገብር ኣካይዳ ኩሉ ብምጥቃም ይኹን በተዘዋዋሪ ንፀላእትና ጥንካረ ዝፈጥር፣ ግብረ ራዕዳውያን ጉጅለታት ዕድሚኦም ዝነውሐሉ ሰበብ ክረኽቡ ምፍቃድ ኢዩ፡፡ ሕልፍ እንትብል እውን ብስምዒት ዝውሰኑ ወታደራዊ ውሳነታት ሃገርና ኣብ ዙሪያ ዝተናወሐ ኲናት ንኽትጥሕል ዝገብር ኢዩ።

ኢትዮጵያ ንምድኻም ዝተኸፈተ ወፍሪ ብዙሕ መልክዕ ኣለዎ፡፡ ሓደጋ ህልውና ብቕሉዕ ጥራሕ ኣይኮነን ብስዉር እውን ይፍፀም ኢዩ፡፡ ወታደራዊ፣ ዲፕሎማሲያዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ናይ ሓበሬታን ኲናት እናተኻየዱልና ዝርከቡ ብዝተዋደደን ብዝረቐቐን መልክዐ ኢዩ፡፡ ንሕና እናመከትና ንርከብ ውግእ ጥራሕ ኣይኮነን ዘመተ እውን ኢዩ። ግምባራት እቲ ዘመተ እውን ብዙሓት ኢዮም፡፡ ገለገሊኦም ፊትንፊት ዝፍፀሙ እንትኾኑ፣ ገለገሊኦም ድማ ብመፃወድያ መልክዕ ዝግበሩ ኢዮም፡፡ መንግስቲ ኣብ ሉኣላዊነትን ህልውናን ኢትዮጵያ ዝተኸፈተ ቅሉዕን ረቀቕን ወፍሪ ንምምካትን ብምዕፃፍን ኢሉ እውን ብዘላቒ ተዓታይነት ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ዝሓንፀፆ ኩለመዳይን ኩሎም ግምባራት ንምምካትን ዘኽእል ሜላ ኢዩ።

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሃገርና ፀገም ምፍጣር ዝጀመረ ለውጢ ስዒቡ ምዃኑ ህዝብና ይፈልጥ ኢዩ፡፡ “ኣነ ጥራሕ ዘይገዝኣ ኢትዮጵያ ክትፈርስ ኣለዋ” ኢሉ ዝኣምን ህወሓት ክልሉ ድፋዕ ገይሩ ፀገም ምፍጣር ዝጀመረ ኣብ መእተዊ እቲ ለውጢ ኢዩ፡፡ መንግስቲ ሰብኣዊን ንዋታዊን ጉድኣት ከይፍጠር፣ ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ከይፈርስን ኣብ ልዕሊ ኢኮኖሚ ከቢድ ፅዕንቶ ከየጋጥም ብምሕሳብ ፀገማት ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ፈቲኑ ነይሩ፡፡ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ግና ካብ መገዲ ጥፋእ ወፃእ ሰላማዊ መገዲ ዘይረአዮ ኮነ፡፡

ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተፈጠረ ሰላም መበገሲ ብምግባር፣ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዘሎ ብርኪ ስግኣት ብምምርማር፣ ሰራዊትና ካብ ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ናብ ካልኦት ከባቢታት ንምንቅስቓስ እንትንፍትን፣ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ትግራይ ዓሪዱ ዝርከብ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት፣ ህፃናት ኣብ መገዲ ኣደቂሱ፣ ኣረጋውያን እውን ንኽልምኑ እናገበረ፣ እቲ ሰራዊት ካብ ትግራይ ከይወፅእ ምግባሩ ይዝከር፡፡ ብሓደ ወገን ብሕቶ ህዝቢ ዝተሸፈነ እኩይ ተግባር እናሳለጠ ብኻሊእ መዳይ ድማ ኢትዮጵያ ንምውራር ምስ ዝደልዩ ናይወፃ ሓይሊታት ብምስጢር እናተደራደረ ነይሩ።

ኢትዮጵያ ንምውጋእ ምስ ሓይሊታት ወፃኢ ዝገበሩዎ ስምምዕነት ተግባራዊ ንምግባር ክብሉ፣ ብለመና ህዝቢ ኣብ ትግራይ ዝፀንሐን ህዝቡ ብደሙን ብረሃፁን እናገልገለ ዝነበረን እዚ ሰሜን ብግፍዒ ኣፅዋሩ ንምሕዳግ ዘስካሕኽሕ መጥቃዕቲ ፈነዉ፡፡ ናይ መወዳእታ ደጀን ሃገር ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ሰራዊት ምክልኻል ዝፍፀም ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ናይ ሉኣላውነትን ህልውናን መጥቃዕቲ ኢዩ። ቀንዲ ዕላማ ግብረ ራዕዲ ህወሓት እውን እዚ ሰሜን ዝተዓጠቖም ዕጥቂታትን ስንቂን ብምሕዳግ ንኢትዮጵያ ንምውራርን ንመፍራስን ኢዩ ነይሩ፡፡ እዚ ድማ ምስ ናይ ወፃኢ ፀላእትና ብምምኻርን ተዋዲዱን ዝገበሮ ኢዩ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ፣ ሰራዊት ምክልኻል ብዝወሰዶ ቅልጡፍ ስጉምቲ ምጥቃዕ እቲ ጁንታ ተሳዒሩ ናብ በረኻታት ተምቤን ሃዲሙ ነይሩ፡፡ ኣብቲ ወፍሪ ምኽባር ሕጊን ህልውናን ዝተሓደግናዮም መሳርሒታትን ዝተማረኹና ኣባላት ሰራዊትን ኣምሊስና ኢና፡፡ ካብ ላዕለዎት ኣመራርሓታት እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ዝተወሰኑ ገበነኛታት ናብ ሕጊ ክቐርቡ ምግባር ዝተኽኣለ እንትኸውን፥ እምቢ ዝበሉ ድማ ስጉምቲ ተወሲዱዎም ኢዩ።

ሰራዊትና ብመሰረት ሕቶ ህዝቢ ትግራይንሸሞንተ ኣዋርሕ ኣብቲ ክልል ፀኒሑ ኢዩ፡፡ ኣብ ፃንሒቱ ድማ ኢኮኖሚያዊ፣ ፖለቲካዊን ማሕራዊን ኣገልግሎታት ንኽቀላጠፉ መስዋእትነት ከፊሉ ኢዩ፡፡ መሠረተ ልምዓታት ከምብሓዱሽ ንኽህነፁ፣ ኣገልግሎታት ህዝቢ ስራ ንኽጅምሩ፣ ሰብአዊ ሓገዛት ብዝሐሸ ኩነታት ተበፃሕቲ ንኽኾኑ ዝከኣሎ ኩሉ ገይሩ ኢዩ፡፡ እዚ ኣብ ዝገብረሉ እዋን ሰራዊትና ብክልተ መልክዑ ዋጋ እናኸፈለ ፀኒሑ፡፡ ብሓደ ወገን ኣብኡ ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት ብናይ ፀላኢ ፕሮፓጋንዳን ፀላኢ ዘውፀኦ ፕሮፓጋንዳ ብዘጋውሑ ናይ ወፃኢ መራኸብቲ ሓፋሽን ዘይሽሙ ሽም ተዋሂቡዎ ኢዩ፡፡ ብካሊእ ወገን ድማ ናይቲ ፕሮፓጋንዳ ተቓላዒ ዝኾነ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ብድሕሪት ንኽውጋእ ተገዲዱ ኢዩ።

ሰራዊትና ደም ከፊሉ ብዝሃቦ ኣገልግሎት ዘትረፎ ወቐሳን ሕማቕ ሽምን ኮነ፡፡ ንሰብኣዊ ትግባራትን መሊስካ ህንፀትን ልዕሊ 100 ቢሊየን ብር ምውፃእና ከምቁምነገር እንተይተቖፀረ ምምሕዳርን ሓይሊ ፀፅታን ኣብ ዘይወዓለሉ ክውቀስ ጀመረ፡፡ ሓረስታይ ትግራይ እውን ብምኽንያት ዕስለ ኣምበጣ ዝተኣጓጕለ ሕርሽኡ ብምኽንያት ኲናት ዳግም ስለዝተጎድአ ዕረፍቲ ክረክብ ኣብ ዝርከበሉ ብርኪ በፅሐ፡፡ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው እውን መንግስቲ ኣብ ሰብኣውነት ዝተደረኸ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ገይሩ ሰራዊት ምክልኻል ካብ ትግራይ ክወፅእ ውሳነ ክመሓላለፍ ተገይሩ ኢዩ።

ግብረ ራዕዲ ህወሓትን ሓደሓደ ዓለም ለኸ መሓዙቱን ግን ሰራዊትና ንሰብኣዊነት ኢሉ ካብ ትግራይ ምውፅኡ ከም ስዕረት እንትቖፅሩዎ ተራኢዮም፡፡ ኣብ ሸሞንተ ኣዋርሕ ድኻም ዝፀንሐ ሰራዊትና ዕረፍቲ እንተይረኸበ ምድኻም ስለዝተደለየ፣ ቅድሚ 500 ዓመታት ብዝተረፈ ሜላ ኲናት ማዕበል ህዝቢ እቲ ጉጅለ ዳግም ስጉምቲ ምጥቃዕ ጀመረ፡፡ እዚ ወራር ንምምካት ንኽከኣል፣ ንምድላው እኹል ግዘ ወሲድና፣ ጥበብ ኣመራርሓ፣ ዝተዋደደ ትልሚን ቴክኖሎጂን ብምጥቃም፣ ዝመፅአና ወራር እናተኸላኸልና ፀኒሕና ነቲ ናይ ጥፍኣት ስጉምቲ መኪትናዮ ኢና፡፡ ፀላኢ ካብ ዝወረሮም ከባቢታት እውን ፀራሪጉ ወፂኡ ኢዩ።

መንግስቲ ህልውና ናይ ምኽባር ወፍሪ በዓል ብዙሕ መልክዕ ከምዝኾ ፈሊጡ ንኹሎም ግምባራት እኹል ምድላው ገይሩ ኢዩ፡፡ ህልውናናን ሉኣላውነትናን ነኽረሉ ሜዳ ዓውደ ኲናት ጥራሕ ኣይኮነን፡፡ ማዕረ ወታደራዊ ወፍሪ ሓቢርና ክንዘምተሎም ዝግብኡ ካልኦት ዓውዲታት እውን ኣለዉ፡፡ መንግስቲ ዝውስኖም ውሳነታት ኩሎም ግምባራት መሰረት ዝገበሩ እምበር ብተናፀል ግንዛበ ዝተሓፀሩ ኣይኮኑን፡፡ ቀዳማይ ትልምና እቲ ግብረ ራዕዲ ካብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ሙሉእ ክወፅእ ምግባር ኢዩ፡፡ እዚ ድማ ሚኢቲ ሚኢታዊ ክበሃል ብዝኽእል መልክዑ ኣዕዊትና ኢና፡፡ ሰራዊትና እውን ስትራቴጂካዊ ኣብ ዝኾኑ ቦታታት ክሰፍር ብምግባር ምንቅስቓስ ፀላኢ ክከታተል ገይርና ኢና።

እዚ ክንውስን ዝገበሩና ብዙሓት ምኽንያታት ኣለዉ። ቀዳማይ ግዝኣታዊ ሓድነትናን ሉኣላውነትናን ዘስግእ ነገር እንተገጢሙና ብዝኾነ ይኹ ኩነታት ናብ ትግራይ ብምእታው ድሕንነት ሃገር ንምኽባር ሰራዊት ምክልኻል ሕገ-መንግስታዊ መሰል ጥራሕ ዘይኮነስ ግቡእ እውን ኣለዎ። ብካሊእ መዳይ ድማ ህወሓትን ኣፈኛታቱን መንግስቲን ሰራዊትን ንምኽሳስ ናብ ዘዳለዉዎ መፃዲያ ሽርሑ ክንኣቱ ከምዘይብልና ስለነኣምን። ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብቲ ክልል ምእታው ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ ዝዛየደ ኢዩ፡፡ ኣዴታት ትግራይ እዚ ኩሉ ምስቅልቅል ዘምፀአለንን ደቀን መንጢሉ ዘወደአለንን ግብረ ራዕዲ ሓይሊ ክሓታ ኣለወን፡፡ ህዝቢ ትግራይ እውን ከም ካሊእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ነቲ ግብረ ራዕዲ ተዋጊኡ ናይ ምውጋድ ዓቕሚን ክእለትን ኣለዎ፡፡ ድጋፍን ሓገዝን ኣብ ዘድልየሉ እዋን ድማ ዝተረፈ ህዝቢን መንግስቲን ኢትዮጵያ ኣብ ጎኒ ህዝቢ እቲ ክልል ጠጠው ክብል ኢዩ።

ናይ ዝኾነ ይኹን መምርሒ ውሳነና ንኢትዮጵያ ኩለመዳይ ዓወት ክትጎናፀፍ ምግባር ኢዩ፤ ግዝኣታዊ ሓድነትና ትፅቢት ዝግበረሉን ብዘላቕነት ኢትዮጵያ ተዓዋቲት ትኾሉን መገዲ ምሕንፃፅ ኢዩ፡፡ ካብ ድሕሪ ሕዚ ግብረ ራዕዲ ሓይሊ ብዝሓለመ ቁፅሪ ዝደለዮ ዝገብረሉ ኩነታት የለን፡፡ የለን እንትንብል ኣይደልን ወይ እውን ኣይትንን ማለትና ኣይኮነን፡፤ ዓወት ኢትዮጵያ መሰረቱ ድኽመት ፀላኢ ዘይኮነስ ናይና ብርተዐን ምትሕብባርን ምዃኑ ፈሊጥና ብዝበለፀ ሓድነትና ኣጠንኪርና ጠጠው ክንብል ይግባእ፡፡

ኢትዮጵያ ብፃዕሪ ደቃ ተሓፊራን ተኸቢራን ንዘለኣለም ትንበር!!

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.