Fana: At a Speed of Life!

ሂወቱ ንሃገሩ ዝሃበን ወራሪ ጉጅለ ዝመከተን ህዝቢ ዝዓነው ንብረታት ምጥያሽ ኣይስኣኖን ክብሉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሂወቱ ንሃገሩ ዝሃበን ወራሪ ጉጅለ ዝመከተን ህዝቢ ዝዓነው ንብረታት ምጥያሽ ኣይስኣኖን ክብሉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ገሊፆም።

ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ትካላት ማይን ጥዕናን፣ ንብረታት ሕብረት ስራሕ ማሕበርን ካልኦት ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ማሕበረሰብ ምዕናውን ዘሪፉ ምውሳዱን ሓላፊ ዘፈር ፖለቲካ ፓርቲ ብልፅግና ክልል ኣምሓራ ኣይተ ሞላ መልካሙ ተዛሪቦም።

ካብ ምድኻም ኢትዮጵያ ክነትርፍ ኢና ኢሎም ዝሓስቡ ገለ ገለ ምዕራባውን ምህላዎም ዝገለፁ እቶም ሓላፊ÷ ዓብይ ፕሮጀክትን ዕላማን ምፍራስን ምብትታንን ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እዚ ፅዓንቶ ወፃኢን ወረራ ጉጅለ ግብረ ራዕዲን ብህዝቢ ኢትዮጵያ ብዝተዋደደ  ደጀንነት ምምካት ተኻኢሉ እዩ ኢሎም።

ዝተዘረፉን ዝዓነውን ንብረታ ስራሕ ምፍላይ ሰፊሕ ግዘ ከምዝሓትትን ኣብ ከይዲ ከምዝኾነን ብምግላፅ፤ ዝዓነዉ ትካላት ብተመሳሳሊ ብርብርብ ህዝቢ መሊስካ ምጥያሽ ከምዘድሊ ሓቢሮም።

ግብረ ራዕዳውያን ኦነግ ሸኔን ህወሓትን ብዝገብርዎ እኩይ ተግባር ንፁሃን ዜጋታ ከምዝተቐተሉን ብርክት ዝበሉ ድማ÷ ከምዝተፈናቐሉን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋን ኮሚሽን ምልዕዓል ልምዓትን ኮሚሽነር ኣይተ ሙስጠፌ ከድር እዮም።

ነዞም ጉጅለታ ኩሉ ኢትዮጵያ ቃልስን ተቓውሞ ክገብር ከምዘለዎ እቶም ሓላፊ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ኣተሓሳሲቦም።

ኦነግ ሸኔ ጥሪት እቲ ማሕበረሰብ ብምድፋር ብፍላይ ድማ ኣብ ከባቢ ደቡብን ምዕራብን ዝርከባ ዞባታት ክልል ኦሮምያ ኣብቶም ማሕበረሰብ ጥቕዓት እናብፅሑ ከምዝርከቡ ብምሕባር፤ ኣብ ሰሜን ዝተወሰደ ሰጉምቲ ኣብ ሸኔ ከምዝድገም እቶም ኮሚሽነር ገሊፆም።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.