Fana: At a Speed of Life!

ዩኒቨርሲቲ ወልዲያ ካብ ዘረፋ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብዝተረፈ ንብረት ንስራሕ ከምዘይኽእል ኮይኑ ዓኒዩ ኢዩ – ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸቸው

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወልድያ ካብ ዝፈፀሞ ዘረፋ ብተወሳኺ ዝተረፈ ንብረት ስራሕ ከይጅምር ገይሩ ከምዘዕነዎ ኣማኻሪ ድሕንነት ቀዳማይ ሚኒስትር ሚኒስትርገዱ ኣንዳርጋቸው ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ልዑል ዕንወትን ዘረፋን ዝፈፀመሉ ዩኒቨርሲቲ ወልዲያ ጎብኒዮም።

እቲ ወራሪ ጉጅለ ዝዘረፎ ንብረት እቲ ዩኒቨርሲቲ ፅኑ ዝወሰደ እንትኸውን ክወስዶ ዘይከኣለ ድማ ኣገልግሎት ከይህብ ገይሩ ኣዕኒዩዎ ኢዩ።

ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው፥ “ዕንወት እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣባላት እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ንመንግስቲ ወይ እውን ንፖለቲከኛታት ዘይኮነስ ንህዝቢ አዕሪዮም ዝፀልኡ፣ ህዝቢን ናይ ህዝቢ ዝኾን ኩሉ ካብ ምጥፋእ ዘይምለሱ ምዃኖም ዘርኢ ኢዩ” ኢሎም።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዩኒቨርሲቲ ወልዲያ ሓዊሱ ኣብ ዘኣተዎ ኩሉ ዝፈፀሞ ዕንወትን ዘረፋን ጠጠው ኢለሉ ንዝብሎ ህዝቢ ትግራይ እውን እናሓፈረሉ ዝነብር ጥፍኣት ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እቲ ዩኒቨርሲቲ ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበሮ ብዘሐሸ መልክዑ ከምዝህነፅ እቶም ሚኒስትር ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.