Fana: At a Speed of Life!

ብግብረ ራዕዳውያን ዝተጎድኡ ከባቢታት ፍሉይ ትኹረት ክወሃብ ኢዩ – ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብግብረ ራዕዳውያን ዝተጎድኡ ከባቢታት ፍሉይ ትኹረት ከምዝወሃብ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕርሻ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ሰለሞን ላሌ ተዛሪቦም።

ግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ሸኔን ኣብ ክልላት ኣምሓራ፣ ዓፋርን ኦሮሚያን ዘብፅሑዎ ጉድኣት ተሓሳቢ ዝገበረ ትልሚ ተሓንፂፁ ክስራሕ ከምዝግበኦ ኢዮም እቶም ኣካቢ ዘገንዘቡ፡፡

እቶም ኣካቢ እዚ ዝበሉ፥ ሚኒሰስቴር ሕርሻ፣ ሚኒስቴር መስኖን ቆላማ ከባቢታትን ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ናይ 10 ሓሙሽተን ዓመት ትልሚታቶም ኣብ ዝተገምገመሉ እዋን ኢዩ፡፡

ኣብቲ እዋን ድማ በቲ ኲናት ጉድኣት ዝበፅሖም ከባቢታት ሓይሊ ኤሌክትሪክ፣ ፅሩይ መስተ ማይን ሕርሻን ዝርገሐ ቀረብ እታወት ንኽሉ ሰለስቲኦም ሚኒስቴር ቤት ዕዮታት ሓበራወ ትልሚ ኣውፂኦም ተዋዲዶም ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ሓለፍቲ ስራሕ እቶም ሚኒስቴር ቤት ዕዮታት ብግደኦም፥ በቲ ኲናት ጉድኣት ዝበፅሖም ከባቢታት ኣገልግሎት መብራህቲ፣ መስተ ማይን ካልኦት ኣድለይቲ እታወታትን ንኽረኽቡ ሓበራዊ ትልሚ ኣውፂኦም ከምዝሰርሑ ምግላፆም ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.