Fana: At a Speed of Life!

ጀጋኑ ሰራዊት ምክልኻልን ሓይሊታት ፀፅታ ክልል ኣምሓራን ንኸተማ ሰቆጣ ተቖፃፂሮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብኣንፀባራቒ ዓወት ንቕድሚት እናገስገሱ ዝርከቡ ጀጋኑ ሰራዊት ምክልኻልን ሓይሊታት ፀፅታ ክልል ኣምሓራን መብዛሕተኦም ከባቢታት ዞባ ዋግ ህምራን ዋና ከተማ እቲ ዞባ ከተማ ሰቆጣን ተቖፃፂሮም።

እቲ ከባቢ ካብ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ናፃ ኣብ ዝወፅኡሉ እዋን ሚሊሻታት ዋግ ህምራ ዘደንቕ ጅግንነት ዝፈፀሙ እንትኾኑ ህዝቢ እቲ ከባቢ እውን ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻልን ሓይሊታት ፀፅታ ክልል ኣምሓራን ብምዃንደጀንነቱ ኣርኢዩ፡፡

ሰራዊት ምክልኻልን ሓይሊታት ፀፅታ ክልል ኣምሓራን ዝተረፉ ከባቢታት እናፅረዩ፣ ዝሃደመ ሓይሊ እቲ ግብረ ራዕዲ እናደምሰሱ፣ ናብ ኣበርገሌ እናገስገሱ ከምዝርከቡ፥ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ ኣፍሊጡ።

ብተመሳሳሊ ጀጋኑ ሰራዊት ምክልኻልን ሓይሊታት ፀፅታ ክልል ኣምሓራን ብግምባር ቆቦ ብሓደ ወገን ኣብ ዋጃን ጥሙጋን ዝዓረደ ሓይሊ ፃላኢ ብምፅራግ ናብ ከተማ ኣላማጣ እናገ ስገሱ እንትኾኑ፥ ብኻሊእ ወገን ድማ ንተኩለሽ ተቖፃፂሮም ብምፅራይ ናብ መረዋን ኮረምን እናገስገሱ ከምዝርከቡ ተገሊፁ፡፡

ብጀጋኑ ሓይሊታት ፀፅታ ኢትዮጵያ እናተወቕዐ ዝርከብ ግብረ ራዕዲ ህወሓት፥ ተሸካሊን ድሑርን ብዝኾነ ሜላ ኲናት፣ ፈኸራ ከም መሳርሒ ብምጥቃም፣ ካብ ዝኣተዎም ከባቢታት ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ከምዝኣተዎ ምውፃ ኣቢዩዎ፣ ሰብኣዊን ንዋታዊን ክሳራ በፂሑዎ ተደምሲሱ ኢዩ ኢሉ እቲ መግለፂ፡፡

እዚ ስዕረቱ ምሽፋን እንትኣቢዮ ብሓደ ወገን ንሰላም ክብል ዝወፅአ፣ ብኃሊእ መልክዑ ድማ ንስዕረቱ ማይ ዘይቋፅር ምኽንያት እናቕረበ፣ ኣድሕኑኒ ዝብል ኣውያት እናስመዐ ብዝለመዶ ሓሶት ንህዝቢ ትግራይን ማሕበረሰብ ዓለምን ንምድንጋር እናፈተነ ከምዝርከብ ገሊፁ፡፡

በዚህ ጦርነት የመጀመሪያው ገፈት ቀማሽ የሆነውና አሸባሪውን ሕወሃት በጀግንነት የታገለው የዋግ ኅምራ ሕዝብ፣ በጀግኖቹ የመከላከያ ሠራዊት፣ በአማራ የጸጥታ ኃይሎች፣ እንዲሁም በራሱ በዋግ ኅምራ ሕዝብ ትግል፣ ከአሸባሪው ሕወሃት ነጻ በመውጣቱ፣ በዚሁ አጋጣሚ መንግሥት እንኳን ደስ ያላችሁ ለማለት ይወዳል ብሏል በመግለጫው

ኣብዚ ኲናት ቀዳማይ ተጎዳኢ ዝኾነን ንግብረራዕዲ ህወሓት ብጅግንነት ዝተዋገአን ህዝቢ ዋግ ህምራ፣ ብጀጋኑ ሰራዊት ምክልኻል፣ ሓይሊታት ፀፅታ ክልል ኣምሓራ፣ ከምኡ እውን ህዝቢ ዋግ ህምራ ብናይ ባዕሉ ቃልሲ ካብቲ ግብረ ራዕዲ ናፃ ብምውፅኡ መንግስቲ መልእኽ እንኳዕ ደስ በለኩም ምምሕልላፉ ኣብቲ መግለፂ ተመልኪቱ፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.