Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ተገዲዱ እውን እንተኾነ ስዕረቱ የኣምን ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓይሊ ሜካናይዝድ ዝተደገፈ ጦሩ ጉድኣት እናብፀሐልና ስለዝኾነናብ ሕገ-መንግስታዊ ክልልና ተመሊስና ክብል ወታደራዊ ኣመራርሓ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝኾነ ፃድቃን ገብረተንሳይ እቲ ጉጅለ ጎናጎኒ እውን እንተኾነ ስዕረቱ ተቐቢሉ።

ምስ ቢቢሲ ቃለ መሕትት ዝገበረ ፃድቃን፥ ቅድሚ ሰሙናት ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብወራር ብዙሓት ቦታታት ክልል ኣምሓራ ከምዝሓዘን ኣዲስ ኣበባ ኣቲዩ ማእኸላይ መንግስቲ ንምቁፅፃር ውሑዳት መዓልቲታት ጥራሕ ከምዘድልዮን ምግላፁ እቲ ፀብፃብ ኣዘኻኺሩ፡፡

ኩሎም ኣማራፂታት ሰላም ረጊፁ ኲናት ዝኸፈተን ናይ ሕሶት ፕሮፓጋንዳን እናጋውሐ ዝነበረ ፃድቃን ስዕረቱ የጠዓዕም ኣሎ፡፡

ከም ፀብፃብ ቢቢሲ፥ ኣብ ውሽጢ ሓፂር ኩነታት ተዓፂፉ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ካብ ባዶ ፈኸራ ናብ ምድምሳስን ዝተረፉ ናብ ትግራይ ምህዳምን ኩነታት ከምዝኣተወ ገሊፁ፡፡

ቢቢሲ ኣብ ፀብፃቡ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ነቲ ኩነታት “ስትራቴጂካዊ ምንስሓብ ገይርና ናብ ትግራይ ተመሊስና” እናበለ ከምዝርከብ እውን ኣልዒሉሉ፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ጉጅለ ብሰራዊት ምክልኻል ከምዝተደምሰሰ ክፋሉ ድማ እናሃደመ ከምዝርከብ ምሕባሩን ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ግብረ ራዕዲ ፃውዒት ሰላም እናቕረበ ዝርከብ ስለዝተሰዓረ ኢዩ ምባሉን ኢዩ ዝሓበረ፡፡

ፃድቃን፥ ወታደራዊ ሓይሎምን ሎጀስቲክስ ዝፀዓኑለን ተሽከርከርቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዘዕነወሎምን ኣልዒሉ ንስዕረቶም ምኽንያት ከምዝኾነ ተዛሪቡ።

ኲናት ተወዲኡ ኢዩ ምስ መን ኢና ንደራደር ዝበለ ሰብ ሓይሎም ኣብ ክልል ትግራይ ከምዝርከብ፣ ዝተረፉ ሓይሊታት እውን ናብ ትግራይ እናተመለሱ ከምዝኾነ ንቢቢሲ ገሊፁ፡፡

መንግስቲ ዘቕረቦም ኣማራፂታት ሰላም ብሙሉኦም ረጊፁ ናብ ኲናት ምእታዉ ረሲዑ ንሰላም ዕድል ንመሃብ ኢና ወፂና ክብል ተሰሚዑ።

“ሙሉእ ብሙሉእ ተኹሲ ጠጠው ኣቢልና ናብ ሰላማዊ ድርድር ክንኣቱ ንደሊ ኢና” ክብል እውን ብቢቢሲ ኣቢሉ ምሕፅንታ ኣቕሪቡ።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.